ኣሚተ
እዋኑ… ብሓፈሻ፡
ዘመን ደርጊ፥ ራሻ
በ'ውቶቡስ ንመገሻ
ነቒላ ኣብሻ፡…
ሓሲባ፡… ብማሙሻ
ንኸይትርብሻ
ንርእሳ ኺሕሻ
ኣዕሚዃታ ቕርሻ
ደኃር ክትሕሽሻ
ዓካታ፥ ኣራንሻ…
'ቋቕሖ፡ ከይሕምሸሻ
ፍረታት ሕርሻ
መታን ከይምሽምሻ፡
ከይጸዓነት ክሻ
ንቕዱስ ገርግሻ
ናይ ንግደት ሕምባሻ
'ቲ'ናይ ኣበው ውርሻ
መታን ከይጉረሻ
ጠቕሊላ ብሻሻ…
ቊንጣሮ ድንሻ
'ከይበለት ‘ንኢሻ!’
ኣብዛ ቚርባበሻ……።
ስልማት ኲትሻ
ከምዛ ዘይግድሻ
ኃቢኣ’ብ’ትሽትሻ
ኣንጊሃ መሪሻ……።
...ሽሕ "ነቚጣ ምልሻ"
እንዳ ሻምበል ባሻ
ሕላገቶም…"ናይ ዓመጽ ሞደሻ"
መለለይኦም…ብንዕቀት ሓሻ ሓሻ!
መውጽእ-ኣፎም "ቁም! ተመለስ! ውሻ!… "
‘ተሠራዕ!’ ንፍተሻ፡
ዉረድ!’ ካብ ኮረሻ፡
ሸኽ-ኣይተርፍ-ቀሻ
ያኢ፡ ምሥጢር ካብቲ ጣሻ
ከይተኅልፍ ቀሺሻ…።”
“ገያሻይ ወረደ
ኩሉ በብሓደ
ዘይለቕሑ ኸይዕደ፡ ሆ!
ዘይግብሩ ኸይፍደ
"ክምስ" ከየውሓደ
ብምድናን ሰገደ፡፡
ኣብ መሥርዕ ተጸምደ
ግና-ናቱ ግደ፡
ኣይኃሸን! ገደደ!
ጸርፊ ተኣንገደ
ንጎታን… ‘ወንበደ!’
ንመስፈ… ‘ጉራደ!’
ምኂር ተጋደደ
ገያሻይ ተዓንደ፡
‘እስኪ! ሓደ ዝኸደ!
ሻምበል ከየፍቀደ
ጉድ'ዩ! ተሃደደ
ፀሓይ ምስ ነደደ
ኣቦ ኾነ ኣደ
‘‘ወይ’ከ ኣነ ዕደ!
ሕንቃቐ ለሚደ
ባዕለይ ተዋሪደ…
ብታኅታይ ወሪደ
ብእግረይ ጨዲደ
'ተዝነብር ከይደ
ምበጻሕኩ ከይረፈደ…!”
ኣብሻ ንበይና፡
ምፃሩ ስኢና፡
ረሃጽ ተኸዲና፡
ትነብዕ ደኒና፡
'ዚ'ርእዮም ኣቦይ ቀሺ ግና...፡
ነብሻ ጸውዑ፡
ከምዚ'ሎም ኣውግዑ፥
"ኣይትተንፍሲ እንቃዓ
ኣብራኽኪ ይጽንዓ
ክትኣትዊ ብሸዓ
ደናግል ናይ መርዓ፡
ብኣጋ-ይሥርዓ፡
ፋኑሰን ይውልዓ፡
'ኪኣትዋ ይኾርዓ...
... ዘይተን ዝረስዓ፡
ጒደን ምስ ተቐልዓ፡”
“ይኾና ኸም ቆልዓ፡
ብምኽኒት ይጠርዓ፡
ኣብ ጸልማት ይነብዓ።"
...ቀጸሉ ኣቦይ ቀሺ...፡
ብህዱእ ልቦና፡
ናይ ፍርኂ ደመና፡
ይቐንጥጦ! ኻባና፡
ዳዊት ብዓል ዝና፡
ብቕኒት በገና፡
በቲ ጥዑም ቃና፡
'ታይ ዲዩ ዝበለና፧
ገንጺሎም ብራና…፡
‘ነፍሰየ ንበይና፡
ኣብ ድነ ሞት ኮይና፡
ከይትኸውን ዑና፡
ንጐይታኣ ለሚና፡
ትኃድር ቀሲና’።"
ብዓል ቤት ከም ጓና፡
ብጨካን ሕልና፡
ከም ጤል ተዳጒና፡
‘ቲ ጋሻ ኸም ዋና፡
ሰላም ከይበለና፡
ኪብኅቶ ጐደና!
ግልብጥሽ ዘመንና፡
ዘምጽኦ ፈተና፡
ኽንክእሎ ፀዊርና፡
ኣይነምርር ኣመና!
ይኃይሽ ምስጋና...።
…ፈቒዶም ሻምበል ባሻ!
በጽሐት ኲላ ጋሻ፡
ነናብ መኅደሪኣ'ድራሻ፡
እፎይ...’ላ ኣብሻ፡
ምስ ዓባያ ንግሻ፡
ክትግዕት ዳጉሻ፡
ክትሰቲ ጉዕሻ፡
ክትበውእ'ወ ጥሻ፡
መዓስ ኮይና ዓሻ!…።