ኣገደስቲ ጽሑፋት


መልእኽቲ “ኃውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዜምጽኦ ለውጢ፡ ዚሓቶ ጻዕርን፡ መጻኢ ኣንፈታቱን


ሓው ኣእምሮ ኢያሱ፡ ሓው ተስፋልደት ጎንጨ


ብዕለት 3 ጥቅምቲ 2013: መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ 366 ስደተይናታት:  ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱዛ፡  ኢጣልያ ጥሒሎም ሕይወቶም ኃሊፉ፡ ነዚ ዕለት'ዚ ንምዝካርን ጸሎተ ፍትሓት ንምብጻሕን፡ ብሓምለ 2020 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  ናብቲ ቦታ ተጓዒዞም፡ ኣብ ዓለምና ሰፊኑ ንዘሎ ሸለልትነት ከኣ ኮኒኖም። እግዚኣብሔር ፈለማ ንኣዳም፡ ጸኒሑ ከኣ ንወዱ ቃኤል፡ “ኣበይ ኣሎኻ?”፥ “ኃውኻ ኣበይ ኣሎ?” እናበለ ከም ዚሓተቶም፥ ብተመሳሳሊ፥ ካቶሊካውያን ኣቡናት ኤርትራ፡ ኣብ መበል 23 ዓመት ናጽነት ሃገርና፡ ብግንቦት 2014፡ "ኃውኻ ኣበይ ኣሎ?" ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ናብ ኩላቶም ኣመንትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ጽሒፎም።



እዞም ኣቡናት ኣብ መልእኽቶም፡ መንእሰያት ዓዶም ገዲፎም ዚተሰዱ፡ ሰላምን ፍትሕን፡ ናጽነትን ክብረትን፡ ሥራሕን ዓስብን ንምንዳይ ምዃኑ ዜስፈርዎ ጽሑፍ ናብ ብዙኅ ቋንቋታት ተተርጒሙን፡ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑን፡ ብዝተፈላለያ መራኸብቲ ብዙኃን ተቓሊሑን። እቲ ኣብ ሠለስተ ምዕራፋት ንሱ ኸኣ፡ (1 ጸዋዕታን ኃላፍነትን ምእመናን፡ 2 ከቢድ መነባብሮ ሕዝቢ፡ 3 ክርስቲያናዊ ምስክርነት) ዝተኸፍለ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፡ ካብ ውሽጢ እቲ ንኹሉ ብናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዚዕፈነሉ ሀገር፣ ብትብዓትን ብዓውታን እንኪስማዕን ኪቃላሕን ንኹሉ ዜገረመ ነበረ።


ምስማዕ ድምጺ፣ ምልላይ ጸዋዕን “እነኹ” ምባልን።


ሓው ተስፋልደት ሚካኤል


(1) ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ? ኃውኻ’ኸ ኣበይ ኣሎ?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኃላፍነት ጒስነቶም ምስ ተቐበሉ፡ ንፈለማ እዋን ናይ ዝገበርዎ ምብጻሕ 10ይ ዓመት ብምዝካር፡ ንሊቀጳጳስ ኣለሳንድሮ ዳምያኖ በዓል ኣግሪጀንቶ ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፡ ሰላምታኦም፣ ፍቕሮም፣ ጸሎቶምን ምትብባዖምን ድኅሪ ምግላጽ፡ “ነቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዚደጋገምን ዘይእወየሉን ሕልቀት እናተዓዘብና ንስንብድን ንጭነቕን። ካብ ውግእን ዓመጽን ርኂቖም ሩፍታ ንኪረኽቡ ኪብሉ ዚሞቱ ዘለው ንጹሓን ብፍላይ ሕጻናት፡ ብሸለልትነት ዘይንኃልፎ፡ ንኅልናና ዜጽምም ኣውያትን ሥቓይን ኮይኑ ኣሎ። ንኻልኦት ብዐይኒ ድንጋጸ ምርኣይን ምሕዛንን ዝተሳእኖ ዜኅፍር ውድቀት ኅብረተሰብ የመልክት” ኪብሉ ጽሒፎም። ብምቕጻል’ውን፡ “እቲ ካብ ንኅልናና ኣጸቢቑ ኬናውጾ ዚግባእ፡ ኢሰብኣዊ ሓደጋታት ተሪፎም ኣብ ገማግም ማእልኣይ ባሕሪ ንዝዓለቡ፡ ደገፎምን ኣባታዊ ኃልዮቶምን ንምግላጽ ዚገበርዎ ጒዕዞ ዓሥራይ ዓመት ብምዝካር፡” እቲ ኣምላኽ “ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ? ኃውኻ’ኸ ኣበይ ኣሎ?” ቢሉ ዝሓተቶ ክሳዕ ሕጂ መቓልሑ ኣይሃሰሰን። ብትሪ ልብን ብንፍግን ቦታ ፈጣሪና መንጢልና ካብ ዝዘረግናዮ ሰላምና ተመሊስና፡ ጠባይና ክንቅይርን፡ ጸጋታት እዛ ምድሪ ምስቲ ኣብ ኣፍደገና ዚዂሕኲሕ ዘሎ ኃውና ብፍቕሪ ክንካፈልን ክንተኃላለን ይግብኣና።” ብምባል ኣዘኻኺሮም። ኣብ መወዳእታ፡ “በዚ ምኽንያት እዚ፡ ቤተክርስቲያን ፡ ነቶም ርሱዓት ብምንዳይ፡ ብቕብኢ ኅውነት ነቚሳል ክርስቶስ ኣብ ሰብነቶም ዚተኃትመ ብምዝናን ብሓቂ ንትንቢታዊ ጸዋዕታኣ ክተማልእ የድሊ። እምበኣር ብወገነይ ወገንካን፡ ብፍርኅን ከይተኣሰርኩም፡ ንልቢ ባሕርና (mare nostrum) ብመንፈሳዊ ሀብትን ብጥዑም ብሥራትን ክተንዠርበብዋ እሞ መልክዕ ቀደማ ክትመልሱላ እላበወኩም።” ኪብሉ መልእኽቶም ኣመኃላሊፎም።