ኣገደስቲ ጽሑፋት

ምስማዕ ድምጺ፣ ምልላይ ጸዋዕን “እነኹ” ምባልን


ሓው ተስፋልደት ሚካኤል


(1) ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ? ኃውኻ’ኸ ኣበይ ኣሎ?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኃላፍነት ጒስነቶም ምስ ተቐበሉ፡ ንፈለማ እዋን ናይ ዝገበርዎ ምብጻሕ 10ይ ዓመት ብምዝካር፡ ንሊቀጳጳስ ኣለሳንድሮ ዳምያኖ በዓል ኣግሪጀንቶ ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፡ ሰላምታኦም፣ ፍቕሮም፣ ጸሎቶምን ምትብባዖምን ድኅሪ ምግላጽ፡ “ነቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዚደጋገምን ዘይእወየሉን ሕልቀት እናተዓዘብና ንስንብድን ንጭነቕን። ካብ ውግእን ዓመጽን ርኂቖም ሩፍታ ንኪረኽቡ ኪብሉ ዚሞቱ ዘለው ንጹሓን ብፍላይ ሕጻናት፡ ብሸለልትነት ዘይንኃልፎ፡ ንኅልናና ዜጽምም ኣውያትን ሥቓይን ኮይኑ ኣሎ። ንኻልኦት ብዐይኒ ድንጋጸ ምርኣይን ምሕዛንን ዝተሳእኖ ዜኅፍር ውድቀት ኅብረተሰብ የመልክት” ኪብሉ ጽሒፎም። ብምቕጻል’ውን፡ “እቲ ካብ ንኅልናና ኣጸቢቑ ኬናውጾ ዚግባእ፡ ኢሰብኣዊ ሓደጋታት ተሪፎም ኣብ ገማግም ማእልኣይ ባሕሪ ንዝዓለቡ፡ ደገፎምን ኣባታዊ ኃልዮቶምን ንምግላጽ ዚገበርዎ ጒዕዞ ዓሥራይ ዓመት ብምዝካር፡” እቲ ኣምላኽ “ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ? ኃውኻ’ኸ ኣበይ ኣሎ?” ቢሉ ዝሓተቶ ክሳዕ ሕጂ መቓልሑ ኣይሃሰሰን። ብትሪ ልብን ብንፍግን ቦታ ፈጣሪና መንጢልና ካብ ዝዘረግናዮ ሰላምና ተመሊስና፡ ጠባይና ክንቅይርን፡ ጸጋታት እዛ ምድሪ ምስቲ ኣብ ኣፍደገና ዚዂሕኲሕ ዘሎ ኃውና ብፍቕሪ ክንካፈልን ክንተኃላለን ይግብኣና።” ብምባል ኣዘኻኺሮም። ኣብ መወዳእታ፡ “በዚ ምኽንያት እዚ፡ ቤተክርስቲያን ፡ ነቶም ርሱዓት ብምንዳይ፡ ብቕብኢ ኅውነት ነቚሳል ክርስቶስ ኣብ ሰብነቶም ዚተኃትመ ብምዝናን ብሓቂ ንትንቢታዊ ጸዋዕታኣ ክተማልእ የድሊ። እምበኣር ብወገነይ ወገንካን፡ ብፍርኅን ከይተኣሰርኩም፡ ንልቢ ባሕርና (mare nostrum) ብመንፈሳዊ ሀብትን ብጥዑም ብሥራትን ክተንዠርበብዋ እሞ መልክዕ ቀደማ ክትመልሱላ እላበወኩም።” ኪብሉ መልእኽቶም ኣመኃላሊፎም።

(2) ጻውዒት ምስማዕ፡ ጸዋዒ ምልላይ፡ “እነኹ” ምባል።

ሓረግ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዘካየደቶ ተኸታታሊ ኣኼባታት፡ ነቲ ቅድሚ ዓሠርተ ዓመታት ዚተሰምዐ፡ ገና’ውን መቓልሑ ካብ ኣእዛንና ዘይሃሰሰ ጻውዒት ኣለሊያስ “እነኹ” ብምባል፡ ብግብራዊ ምላሽ ንኽትጐዓዝ ዜኽእላ መገድታት ዜጣጥሑ ሓሳባትን ዘተታትን ኣካይዳ ናብ ሓደ ስምምዕ በጺሓ ኣላ።

ንቃኤል ኣብ መሮር(1) ንሳሙኤል ካብ ድቃሱ(2) ንማርያም ኣብ ቤታ(3) ንቕዱስ ፍራንቸስኮስ በዓል ኣሲዚ ኣብ ዑና ቤት ጸሎት(1) ምስ ተጸውዑ፣ ንጻውዒት ብምስማዕን ጸዋዒኦም ብምልላይን፣ “ኣነዶ ሓላው ኃወይ እየ?”፣ “ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎሞ ዎ እግዚኣብሔር ተዛረብ”፣ “እነኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር ከም ዘረባኻ ይኹነለይ”፣ “እንታይ ክገብር ትፈቱ ኦጐይታ” እናበሉ ከም ዝሃብዎ ምላሽ፣ ሓረግ’ውን ድምጺ ጻውዒት ሰሚዓ፣ ድምጺ ጸዋዒኣ ክተለልን ምንጩ ክትረክብን፣ ብቐስታ ግን ከኣ ብናይ እምነት ርግጽነት ናብ ሓደ ምዕራፍ ንምብጻሕ፣ ናብ ክልተ ናይ ዘተ መኣድታት ብምኽፋል፣ ብኣብነት ቅድስቲ ሥድራ ንዝጠፍአ ኃውና ምርካብ፣ መሓርትን፣ ጽሩያት ልብን፣ ገበርቲ ሰላምን ክንከውን፣ ብኡ ኣቢልና ኸኣ ውሉድ ኣምላኽ ክንበሃል(4) ብዚብል ሓሳብ፡ ዕላማ፣ ራእይ፣ ተልእኾን መጻኢ ኣንፈትን ኣነጺራ።

(3) ግብራዊ ምላሽ (ሠናይ-ፍትሒ-ሰላም)

ካብዚ ፡ ናብ ግብራዊ ስራሓት ንምሰግጋር፡ ጸገማት ናይ ምልላይን፡ ንኣፈታትሓኦም ዜድሊ ብልሃትን (Iterative Revitalization) ዜድልየና ምቅርራብ ንግበር ፡ ኣብነታት ናይቶም ኣብ ሞንጐና ጸጋ እግዚኣብሔር በዚኁሎም ብልግስን ብተወፋይነትን ኣብ ኅብረተሰብና ለውጢ ዜምጽኡ ዘለው ሰባት ክዝከሩ ይግባእ ። ነዚ ዝተጥቕሰ ሓሳብ ምርኩስ ብምግባር፡ ኃበሬታ ክንእክብን ክነጽንዕን፣ ብልዑል ድምጺ ክንምስክር፣ ጥዑም ብሥራት ክንነግርን፣ እናተሓደሰ ብዝኸይድ መሳርሒ ናብ ዝረኃቐን ዝለዓለን ዚጥምት ሕያው ትካል ምቕዋምን መደባት ምውጣንን።

ናብ ምሉእን ሥሩዕን ቅሳነት (Tranquility of Order) (6) ዜብጽሓና ደረጃታት፣ ግብረ-ሠናይ፣ ግብረ-ፍትሒ፣ ግብረ-ሰላም ምልላይን ናብዚ ግብርታት ዚወፍሩ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ኣኅዋት መኣድታት ምሥራዕን። ብውሑዳት ግን ከኣ ውፉያት ንምልክታት ዘመንና ኣለሊዮም፣ ብርድኢትን ብጥንቃቐን ብትብዓትን ዚስጒሙ፣ ዜስተምህሩን፣ ብግብራዊ ኣርኣያ መገዲ ዚእንፍቱን መራሕቲ፣ ተጸኒዑ ዚቐርብ ኣሳታፊ ውጥን ምጽዳቕ።

ንሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቡናት ንምርዳእ ዚሕግዝ፡ ምሕዳስ መብጽዓ ብዚብል ኣርእስቲ ብካቶሊካውያን ኣቡናት ኦንታርዮ ካናዳ ዝተዳለወ፡ መዛተይ ጽሑፍ ብምውካስ፥ ትምህርትን ዘተን ዚካየደሉ ዕድል ምፍጣር።

(4) ግድላትና

እቲ ዝዓበየ ግድል፣ “ካብ ሽግርካ ሽግረይ ይዓቢ”፣ “ካብ መከራኻ መከራይ ይበዝሕ” ዚብል ምኒን ምባልን፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግዳይ ናይ ምዃን ውድድርን ሕማቕ ዕድሎት ናይ ምጽብጻብ ዕንቅፋትን ኣውጺኡ፡ ከምቲ ንቅዱስ ጳውሎስ ዚተዋህቦ፡ “ኃይለይ ኣብ ድኻም እዩ ዚግለጽ እሞ ጸጋይ ይኣኽለካ” ዚብል ምላሽ፡ ናብቲ ብኹሉ መከራ ኣሕሊፉ፡ ናብ ድኅነት ንምብጻሕ ዜኽኣሎም ጸጋታት ዚጽብጽቡሉ ናይ ተጻዋርነት (Resilience) ዓቕሚ፡ ንሱ ኸኣ ጸጋ እግዚኣብሔር ቆይሞም፡ ንኻልኦት ናብ ምሕጋዝ ኪጽዕሩ ምርኣይ ዕድል ስለዘየልቦ፣ ንጸጋታት ሕይወት ምጽብጻብ እንኽእለሉ ታሪኽ ኪእከብ፣ ኪስነድ፣ ንኽስማዕን ኪቃላሕን ምግባር። ንዝነቐጸ ዓጻጽምቲ(7) ዳግም ትንፋስ ሰዂዑ፡ ሕያው ገይሩ ዜተንሥእ ጸጋ ምልላይ፣ ምጽብጻብን ምንጋራን ዚብል፡ ንሓቅን ጽድቅን ዜጉልሕ፣ ተስፋ ዜስንቕ፣ ዓሚቚ ትሕዝቶ ዘለዎ ክነሱ፣ ብቐሊሉ ብዚርዳእ ኣገባብ ዝቐረበ፡ ናይቲ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣእዛንና ዚዂሕኲሕ ዘሎ ድምጺ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፡ ብግብርታት ሠናይ-ፍትሒ-ሰላም ኣቢሉ ዚቐርብ ሓዋርያዊ ምላሽ ተባሂሉ ኪግለጽ ይከኣል።

ብዛዕባ ክሳዕ ሕጂ ኪግበር ዝጸንሐ ምልላይ ድምጺ ኣምላኽን፡ ምንጻር ዕላማ፣ ራእይን ተልእኾን፡ ምስቲ ዓሥራይ ዓመቱ ንምዝካር ውሑድ (6-7) ኣዋርሕ ጥራሕ ተሪፍዎ ዘሎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፡ ስፍሕ ብዝበለን ብንጹር ዝሰፈረን ኣገባብ ርእስና ብምንጻሕን ኣጽዋር ሰላም ብምዕጣቕን፡ ብጸሎትን ምቅርራብ። ነዚ ጒዕዞ እዚ ንምጅማር ዝተረፈና ሓደ ዕዮ እንተሎ፡ “መን እንተበሉኻስ መን ትብል” ከም ዝተባህለ፡ መንነትና እነነጽረሉ፣ ዘይመንነትና እንነጽገሉን፡ እንታይ ከም እንገብርን ዘይንገብርን ብንጹር ምንጋር እዩ። ንምልክታት ጊዜና ብብርሃነ-እምነት ክንጥምቶም፣ ብመንጽር ዘስፈርዮ ዕላማን ራእይን ተልእኾን ክብርታትን፡ ዚምልከተናን እንእምነሉን ጒዳያት እናልዓልና ክንዓይን የድሊ። መለለይና ብኸምዚ ምስ እነነጽር፣ እቲ እንረኽቦ ኃውና፡ ኩሉ ውሽጣዊ ቁስልታቱን ሥቓያቱን ንኸርእየና እምነት የሕድርን ንምቅርራብ መገዲ ይኸፍትን።

ኣብ ዙርያና ዜጋጥም ዘሎ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ሕዝባዊ ምልዕዓል፡ ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ንቤተይ በዓቲ ጐሓሉት ገበኩምዎ”(8) እናበለ ሰደቓታቶምን መናብሮምን ዝገልበጦ፡ ብሓቀይናን ገርሃውን ቁጥዐ’ዶ ወይስ፡ ንጎነጽ ከም መሳርሒ ብምጥቃም፡ ሰብኣዊ ክብረት ናብ ዘየረጋግጽ፣ ንጸገም ብኃይሊ ካብ ምፍታሕ ኃሊፉ፡ ናብ ዘይተደልየ ናይ ቂምን ሕነ ምፍዳይን መኣዝን ከይጒተት ብጥንቃቐን ኣደብን፡ ብዘይ ሸለልትነት፡ ብቐረባ ብምስትብሃል ክንከታተሎን ክነለልዮን ዚግባእ እዩ። ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንቤተክርስቲያን ሃገርና ኣብ ጸገም ብዘየእቱ መገዲ ብጥንቃቐን ኃልዮትን፡ ኣብ ቀረባን ምስ ዘለው ካህናት ብምውህሃድ ክንዓይን ክንጽልን።

ግብርና ባዕሉ መግለጺ ክብርታትና ከም ምዃኑ መጠን፡ ሰባት መንነትና ዚፈልጥሉ፡ እንብሎ ብምስማዕ ዘይኮነስ እንገብሮ ብምርእይ ንኪኸውን ምጽዓር። ኣብቲ እንወፍሮ ስራሕ’ውን ፍጹማት ስለዘይኮንና ነቲ ዘይተርፍ እንፍጽሞ ጌጋታት ባጋ እንእርመሉን ካብኡ እንመሃረሉን ጥበባት ሕያው-ትካል ምዕጣቕ።