ሕጋዊ ኣጠቓቕማ ሓረግ ውዕልን ቅድመ ኩነትን
ዝተመኃየሸሉ ጊዜ ፣ ጥቅምቲ 3, 2023
ኣገልግሎትና ቅድሚ ምጥቃምኩም ነዚ ውዕልን ቅድመ ኩነትን ኣንብቡ።
- ኣተረጓጒማን መፍትሒን
- ኣተረጓጒማ፣ ናይ መጀመርያ ፊደሎም ብፍሩይን ብድሙቕን ዝተጻሕፉ ቃላት ብኸምዚ ዚስዕቡ ኲነታት ኪፍትሑ ይከኣል። እዞም ዚስዕቡ ኣተረጓጒማታት ብንጽል ወይ ብብዙኅ እንተገገልጹ’ኳ፣ ተመሳሳሊ ትርጉም ይህልዎም።
- መፍትሒ
- ንጥቕምታት ናይዞም ውዕላትን ኩነትን ብዚምልከት
- መሻርኽቲ
- ዚበሃልተቖጻጻሪ ወይ ከኣ ዚቆጻጸርዎ፣ ወይ ከኣ ምስ ካልእ ኣሃዱ ብኃባር ዚቆጻጸር፣ ቁጽጽር ዚበሃል ከኣ 50% ወይ ልዕሊኡ ወለድ ዘለዎ ወይ ዘይብሉ ብርክታት ወይ ከኣ ካልኦት ትሕጃታት ዚውንን፣ ኣካየድቲ ወይ ኣመኃደርቲ ናይ ምምራጽ ሥልጣን ዘለዎ ኢዩ።
- ሀገር
- ንዋሺንግተን፡ ዩናይትድ ስቴትስ የመልክት።
- ትካል
- (ኣብዚ ስምምዕ እዚ ከም “እቲ ትካል”፣ “ንሕና”፣ “ነኣና” ወይ ከኣ “ናትና” ተባሂሉ ዚጽዋዕ) ን”ሓረግ” የመልክት።
- መሳርሒ
- ናብ ኣገልግሎትና ኪበጽሕ ዚኽእል፣ ከም ኮምፒዩተር፣ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ወይ ኣሃዛዊ ጽላት።
- ንብረት
- ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ መሸጣ ዚቐረቡ ኣቕሑት የመልክት።
- ጠለብ
- ዚበሃል፣ ካብና ንኺግዛእ ብኣኹም ናይ ዚተጠልበ ንብረት ኢዩ።
- ኣገልግሎት
- ነዚ መርበብ መራኸቢ የመልክት
- ውዕልን ቅድመ ኩነትን
- (ውዕል ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ) ዚበሃል፣ ንምሉእ ትሕዝቶ ናይዞም ኣብ ሞንጎኹምን ኣብ ሞንጎ እዚ ትካልን፣ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ናይዚ ኣገልግሎት ብዚምልከት ስምምዕ ዝኃዘ ኢዩ።
- ሣልሳይ ኣካል ኣገልግሎት ማኅበራዊ መራኸቢ
- ዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት ወይ ትሕዝቶ (ኃበሬታ፣ ፍርያት ወይ ኣገልግሎት ዜጠቓልል) ብሣልሳይ ኣካል ቀሪቡ ኣብ ኣገልግሎትና ንዚርአ፣ ዚውሰኽ፣ ወይ ዚቐርብ የመልክት።
- መርበብ መራኸቢ
- ነቲ ብ https://www.haareg.org ዚርከብ ንሓረግ የመልክት።
ንስኹም፣ ተጠቃሚ ወይ በጻሒ ናይዚ ኣገልግሎት ዝኾነ ውልቀሰብ፣ ወይ ከኣ ንተጠቃሚ ብምውካል ነዚ ኣገልግሎት ዚጥቀም ወይ ዝበጽሕ ትካል ምስ ዚህሉ የመልክት።
- ኣፍልጦ
- እዚኣቶም ንኣጠቓቕማ እዚ ኣገልግሎትን ኣብ ሞንጎ ትካልናን ኣብ ሞንጎኹምን ንዚእቶ ውዕል ዚገዝኡ ውዕላትን ኩነታትን ኢያቶም። እዞም ውዕላትን ኩነታትን፣ ንኣጠቓቕማ ናይዚ ኣገልግሎት ብዚምልከት መሰላትን ግቡኣትን የቐምጡ። ናብዚ ኣገልግሎት’ዚ እትጥቀሙሉ መእተዊኹም፣ ምስ ምቕባልን ምኽባርን ናይዞም ውዕላትን ኩነታትን ዝተተኃኃዘ ኢዩ።
እዞም ውዕላትን ኩነታትን ንኹላቶም በጻሕትን ተጠቐምትን ከምኡ’ውን ካልኦት ናብዚ ኣገልግሎት’ዚ ዚኣትው ይዝውተር።ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ብምእታውን ብምጥቃምን፣ በዞም ውዕላትን ኩነታትን ክትምእዘዙ ተሰማሚዕኩም ኣለኹም። ምስ ዝኾነ ይኹን ክፋሎ ናይዞም ውዕላትን ኩነታትን እንተዘይተሰማሚዕኩም፣ ናብዚ ኣገልግሎት ከይትኣትውን ከይትጥቀሙን ትኽእሉ።
ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ ምኻንኩም ንርእስኹም ትውክሉ። እዚ ትካል ትሕቲ 18 ዓመት ንዝኾኑ፣ ነዚ ኣገልግሎት ኪጥቀሙ ኣይፈቅድን።
ነዚ ኣገልግሎት’ዚ እትጥቀሙሉ መእተዊኹም፣ ምስ ምቕባልን ምኽባርን ናይዞም ፖሊሲታት ስትረት’ውን ዝተተኃኃዘ ኢዩ። ፖሊሲታት
ስትረትና፣ መርበብ ኃበሬታ ኣብ እትጥቀሙሉ እዋን፣ ንፖሊሲታትናን ንቕጥዕታት ኣተኣኻኽባ፣ ኣጠቓቕማን ምግንጻልን ውልቃዊ ኃበሬታኹም፣ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ናይ ስትረት መሰልኩምን እዚ ሕጊ ብኸመይ ከም ዚከላኸለልኩምን ይገልጽ። ኣገልግሎትና ቅድሚ ምጥቃምኩም ነዞም ናይ ስትረት ፖሊሲታትና ብጥንቃቐ ኣንብቡ።
- ንብረት ምእዛዝ
- ብመገዲ ብኣገልግሎትና ኣቢልኩም ንብረት ብምእዛዝኩም፣ ብሕጊ ናብ ጠማሪ ውዕል ምእታው እትኽእሉ ውሕስነት ሂብኩም ኣለኹም
- ኃበሬታኹም
- ኣብ ኣገልግሎትና ንዚርከብ ንብረት ክትእዝዙ ምስ እትደልዩ፣ ጠለብኩም ንምምላእ ዜድልዩ፣ ብውሑዱ ናትኩም ስም ኣድራሻ ኢመይል፣ ቁጽሪ ስልኪ ናይ መለቅሒ ወረቕት ቁጽርኹምን ዚወድቀሉ ዕለትን፣ ምስ ሕሳብኩም ዚተተኃኃዘ ኣድራሻ፣ መልኣኺ ኃበሬታን ንኽትህቡ ክትሕተቱ ትኽእሉ። (1) ንዝኾነ ይኹን ጠለብ ብዚምልከት፣ መለቅሒ ወረቐት ወይ ካልእ መኽፈሊ ኣገባብ ክትጥቀሙ ሕጋዊ መሰል ከም ዘሎኩምን (2)እትህቡና ኃበሬታ ሓቀይናን፣ ቅኑዕን ምሉእን ምዃኑ ውክልናን ውሕስነትን ትህቡ።
ንዝተባህለ ኃበሬታ ብምርካብ፣ ጠለብኩም ንምምላእን ንምስላጥን፣ ኃበሬታኹም ንሣልሳይ ኣካል መስራሕቲ ክፍሊት ንኽነቕርበሎም መሰል ሂብኩምና ኣለኹም።
- ምስራዝ ጠለብ
- ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን፣ በዞም ዚስዕቡ ገለገለ ምኽንያታት ጠለብኩም ንዘይምምላእን ንምስራዝን መሰልና ንዕቅብ።
- ምህላው ንብረት
- ኣብ መግለጺ ወይ ዋጋታት ንብረት፣ ኣብ ጠለብኩም ብዚርከብ ጌጋ፣ ወይ ከኣ ናይ ምትላል ወይ ዘይተፈቕደ ወይ ዘይሕጋዊ ምትኅልላፍ ገንዘብ ምስ ዚጥርጠር፣ ጠለብኩም ናይ ዘይምምላእ ወይ ምስራዝ መሰልና ንዕቅብ።
- ጠለብ ናይ ምስራዝ መሰልኩም
- ዝኾነ ይኹን ዝገዛእኩምዎ ንብረት ኪምለስ ዚኽእል፡ እዚ ውዕልን ኲነታትን ከምኡ'ውን ናይ ምምላስ ፖሊሲና ብዚፈቕዶ ኣገባብ ጥራሕ ይኸውን። ናይ ምምላስ ፖሉሲና፡ ክፋል ናይዞም ፖሊሲ ውዕላትን ኲነታትን ኢዩ። ብዛዕባ ጠለብኩም ናይ ምስራዝ መሰል ብተወሳኺ ንምፍላጥ፡ ንናይ ምምላስ ፖሊሲና ኣንብቡ።
ንብረት ናይ ምምላስ መሰልኩም ዚኽበር፡ እቲ ንብረት ልክዕ ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ኮይኑ ምስ ዚምለስ ጥራሕ ኢዩ። እቱ እትመልስዎ ንብረት፡ ፍርያት ብምሉኡ፡ ምስናይ መምርሒ ሰነዳቱን መጠቕለሊኡን ኪኸውን ኣለዎ። እትመልስዎ ንብረት፡ ምስ ከፈትኩምዎ፡ ልክዕ ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ዘይተበላሸወ እንተዘይኮይኑ፡ ገንዘብኩም ኣይምለስን። ምእንት'ዚ፡ ዝዓደግኩምዎ ንብረት ኣብ ኢድኩም ዚጸንሓልይ ብዚግባእ ጥንቃቐ ሓዝዎ። ናይ እትመልስዎ ንብረት ክፍሊት፡ ንብረት ካብ ዝተቐበልናሉ፡ ኣብ ውሽጢ ካብ ዓሠርተ ኣርባዕተ መዓልታት ዘይበዝሕ ጊዜ፡ ንብረት ንምዕዳግ ብዝተጠቐምኩምሉ ናይ ክፍሊት ኣገባብ ክምለሰልኩም ኢዩ። ንብረት ንምምላስ ኣይትኸፍሉን ኢኹም።
ካብዞም ዚስዕቡ ንብረታት ምስ ቀረቡልኩም ዝኾነ ይኹን ጠለብ ናይ ምስራዝ መሰል ኣይህልወኩምን፡
ብፍላይ ነኣኹም ወይ ብንጹር ንውልቅኹም፣ ብፍሉይ ጠለብ ዝተሰርሐ ንብረት። ብፍጥረቶም ንምምላስ ዘይምሽኡ፣ ቀልጢፎም ዚበላሸው፣ ወይ ከኣ ዝወድቁሉ ዕለት ዝኃለፈ እንተኾነ። ዝቐረበልኩም ንብረት። ጥዕና ንምሕላው፣ ብምኽንያት ጽርየት ወይ ከእ ምስ ተቐበልኩምዎ ከይታኸድነ ዝጸንሐ፡ ንምምላስ ዘይምሽእ ንብረት። ምስ ካልእ ነገራት ናይ ምትሕውዋስ ባህርይ ዘለዎ ንብረት። ኣሃዛዊ ትሕዝቶ ዘለዎ፣ ብግኡዝ መልክዕ ዘይቀረበ ንብረት ኮይኑ ጥቕሚ ምሀብ ዝጀመረ፣ ኣቐዲምኩም ብዝገለጽኩምዎ ፍቓድን ኣፍልጦን ዝሀብኩምዎ ናይ ምስራዝ መሰልኩም ዜስእን ኲነታት። ዘይምህላው ንብረት፣ ጌጋታትን ዘይልክዕን።
- ህላወ ጌጋታትን ኣበራትን
- ኣገልግሎት ናይ ዝቐርብ ንብረት ኃበሬታ ብቐጻሊ ነመዓራርዮ ኢና፡ ኣብዚ ኣገልግሎትና ናይ ዚርከብ ንብረት፡ ዋጋኡ ብጌጋ ኪጸሓፍ፡ ዘይቅኑዕ መግለጺ ኪግበረሉ፡ ወይ ከኣ ዘየሎ ኪኸውን ይኽእል፡ ኣብዚ ኣገልግሎት'ዚ ወይ ከኣ ኣብ ካልኦት መርበብ መራኸቢታት እንዝርግሖ ኃበሬታ ኣብ ምትዕርራይ ምድንጓያት ኬጋጥመና ይኽእል።
ቅኑዕነትን ምልኣትን ኃበሬታ ናይ ዋጋ፣ ስእሊ ፍርያት፣ መግለጺ፣ ሀለዋትን ኣገልግሎትን ክነውሕስ ኣይንኽእልን። ኣብዚ ኣገልግሎት ናይ ዚቐርቡ ዋጋታት፡ ምስልታት፡ መግለጺ ወይ ከኣ ሃለዋት ናይ ዘሎ ኃበሬታ ቅኑዕነት ወይ ከኣ ምልኣት ክነውሕስ ኣይንኽእልን፡ ግጉይ፡ ቅኑዕ ዘይኮነ ወይ ከኣ ዚጎደለ ኃበሬታ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ኣቐዲምና ከይነገርና ናይ ምቕያር ወይ ምትዕርራይ መሰል ንዕቅብ።
- ፖሊሲ ዋጋታት
- እዚ ትካል፡ ጠለብ ቅድሚ ምቕባሉ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ዋጋታት ናይ ምቕያር መሰሉ ሕሉው ኢዩ።
ኣብ ጊዜ ዝኾነ ይኹን ብውሳኔ መንግሥቲ፡ ናይ ግምሩኽ ኣሰራርሓ ለውጥታት፡ ናይ መጓዐዓዚ ክፍሊት፡ ዝለዓለ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ገንዘብን ካብ ቊጽጽር እዚ ትካል ወጻኢ ዝኾኑ ጒዳያት፡ ጠለብ ድኅሪ ምቕባል፡ በዚ ትካል ዝተጠቕሱ ዋጋታት ኪእረሙ ይኽእሉ። ካብ ከምዚ ዝበለ ዂነታት ጠለብኩም ናይ ምስራዝ መሰልኩም ሕሉው ይኸውን።
- ክፍሊታት
- ናይ ኩላቶም ዝተዓደጉ ንብረታት ዋጋ ብሓደ እዋን ይኽፈል። ዝተፈላለዩ፡ ቪሳ፡ ማስተር-ካርድ፡ ኣፊኒቲ-ካርድ፡ ኣሜሪካን-ኤክስፕረስ፡ ወይ ከኣ ከም ብዓል ፔይፓል ናይ መስመር ኣገባብ ክፍሊታት ዝኣመሰሉ፡ ዘለውና ኣገባባት፡ ምኽፋል ይከኣል።
መኽፈሊ ወረቐት፣ ካብ ወሃብቲ ወረቐት ወይ በዓል ሥልጣን፣ መስርሕ ፍቓድን ይሕተተሎም። ዝተሓተተ መረጋገጺ ፍቓድ እንተዘይተቐቢልና፡ ናይ ጠለብኩም ምድንጓይ ወይ ዘይምቕራብ ኃላፍነት ኣይንሽከምን።
ጥሪት ምህዞ፣ እዚ ኣገልግሎት፡ ንስ ኲሉ መበቆላዊ ትሕዝቶታቱ፡ (ንስኹምን ካልኦት ተጠቐምትን ዘቕረብዎ ከይሓወስካ) ገጻቱን ዕማማቱን፡ ናይዚ ትካል'ዚ ናይ ብሕቱ ጥሪት ከምኡ'ውን ናይ ወሃብቲ ፍቓዱ ኮይኖም ይቕጽሉ።
እዚ ኣገልግሎት ብመሰል ሕትመት፡ ምልክት ንግድ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ሀገርን ኣብ ወጻእን ኣብ ግብሪ ዚውዕሉ ሕግታት፡ ዚኽበር ኢዩ።
ምልክት ንግድና ወይ ምስሊ ሽፋን ንግድና ብዘይ ናይ ጽሑፍ ፍቓድ ትካልና፡ ምስ ዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት ወይ ፍርያት ኣትኃኂዝካ ምጥቃም ኣይፍቀድን።
- ናብ ካልኦት መርበባት ዜራኽቡ መላገቢታት
- ኣገልግሎትና፡ ትካልና ናብ ዘይውንኖም ወይ ከኣ ዘይቆጻጸሮም ናይ ሣልሳይ ኣካል መርበባት ዜራኽቡ መላገቢታት ኪኅዝ ይኽእል።
ትካልና፡ ንትኅዝቶ፡ ፖሊሲ ስትረት፡ ወይ ንጥፈታት ሣልሳይ ኣካል መርበባት መራኸቢ ወይ ኣገልግሎታት ኣይቆጻጸርን፡ ኃላፍነት'ውን ኣይወስድን። ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ምስዞም መርበባት መራኸቢ ዝተተኃኃዘ ኣገልግሎት ወይ ንብረት ብምጥቃምኩም ምግጣሙ ዚረጋገጽ ወይ ዚጥርጠር ምብልሻው፡ ምጥፋእ፡ ትካልና ኃላፍነት ከም ዘይወስድን ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ተሓታቲ ከም ዘይከውንን ተቐቢልኩምን ተሰማሚዕኩምን ኣለኹም።
ናይ እትበጽሕዎም ናይ ሣልሳይ ኣካል መርበባት መራኸቢ ወይ ኣገልግሎት ፖሊሲታት ስትረትን ውዕልን ክተንብቡ ኲነታትን ኣጸቢቕና ንምዕደኩም።
- ምቊራጽ
- ነዞም ፖሊሲታት ውዕልን ኲነታትን ምስ እትጥሕሱ ወይ ብዝኾነ ይኹን ካልእ ምኽንያት፡ ብውኁዱ፡ መእተዊኹም ብኡንብኡ፡ ብዘይ ቅድመ-ኃበሬታን ተሓታትነትን፡ ክነቋርጾ ወይ ክነወንዝፎ ንኽእል።
መእተዊኹም ኣብ ዚቋረጸሉ፡ ኣገልግሎት ናይ ምጥቃም መሰልኩም ብኡንብኡ ይሕደግ።
- ደረት ተሓታትነት
- ምንም'ኳ ኣብ ኢድኩም ናይ ዚበላሾ ተሓታቲ ባዕልኹም እንተኾንኩም፡ ናይዚ ትካልን ናይ ዝኾነ ይኹን ኣቕራብን ምሉእ ተሓታትነት፡ እዚ ውዕል ብዚፈቕዶ፡ ንዘጋጠመ ነገር ዚኽፈል ዝለዓለ መሕወይ፡ ማዕረ'ቲ በዚ ኣገልግሎት ኣቢልኩም ዝኸፈልኩምዎ ዋጋ ወይ ከኣ ካብዚ ኣገልግሎት ዝኾነ ይኹን ንብረት እንተዘይገዛእኩም፡ $100 ጥራሕ ይኸውን።
ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኲነታት፡ እዚ ትካል ወይ ኣቕረብቱ ንዝኾነ ይኹን፤ (ብውኁዱ፡ ክሳራታት፡ ናይ ውህሉል ወይ ካልእ ኃበሬታ ምጥፋእ፡ ምቊራጽ ንግድ፡ ውልቃዊ መጒዳእቲ፡ ብሰንኪ ምጥቃም ወይ ዘይምጥቃም ናይዚ ኣገልግሎት ወይ ምስኡ ዝተተኃኃዘ ዜጋጥም ምቅላዕ ስትረት፡ እዚ ኣገልግሎት ዚጥቀመሎም ናይ ሣልሳይ ኣካል ረቂቕን ግዙፍን ናውቲ፡ ወይ ከኣ፡ ምስ ኣቕርቦት ናይዚ ውዕል ብዚተኃኃዝ ወሲኽካ) ብፍሉይ፡ ብፍጻሜኡ፡ብተዘዋዋሪ፡ ወይ ብሳዕቤኑ ዜጋጥሙ ሓደጋታት፡ ነኣኡ ዚምልከት ሕጊ ብዚፈቕዶ ዝለዓለ ደረጃ፡ እዚ ትካል ወይ ኣቕረብቱ፡ ብዛዕባ ኬጋጥም ዚኽእል ሓደጋ ተመኺሮም እንተነበሩን፡ ንምእላዩ ዝተገብረ ስራሕ እንተዘይቀንዐ'ውን፡ ኣይሕተቱን፡
ገሊአን ግዝኣተ-ሀገራት ነዚ ዝተመልከተ ፍጻሜ ወይ ብሳዕቤኑ ናይ ዜጋጥም ሓደጋ ውሕስነት ምውጋድ፡ ወይ ተሓታትነት ምውሳን ኣይፈቕዳን፡ እዚ ኸኣ፡ ገለ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምውሳን ተሓታትነት ኣይሰርሑን ማለት ኢዩ። ኣብዘን ግዛኣኣተ-ሀገራት፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ተሓታትነት፡ ሕጊ ብዚፈቕዶ ዝለዓለ ደረጃ ይውሰን።
- “ከም ዘለዎ”ን “ከም ዝቐረቦን” ምውራድ ተሓታትነት
- እዚ ኣገልግሎት፡ ከም ዘለዎን ከም ዝቐረቦን፡ ምስ ኩሉ ጉድለታቱን ኣበራቱን፣ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ውሕስነት ይቐርበልኩም።
እዚ ትካል፣ ሕጊ ብዝፈቕዶ ብዝለዓለ ደረጃ፣ ኣብ ክንዲ ገዛእ ርእሱን ኣብ ክንዲ መሻርኽቱን ወሃብቲ ፍቓድን ኣገልግሎትን፣ ንኹሉ ግሉጽ፣ ኣማቲ፣ ብሕጊ ዝተወሰነ፣ ወይ ነዚ ኣገልግሎት ዚምልከት ካልእ ውሕስነታት፡ ንኹሎም ሓበርቲ ውሕስነታት ሸቐጥ፡ ፍሉይ ጥቕሚ ናይ ምሃብ ብቕዓት፣ መሰል ዘይምጥሓስ፣ ኣብ መስርሕ ንግዳዊ ዝምድናታት፡ መስርሕ ተፈጻምነት፣ ኣጠቓቕማ ወይ ንግዳዊ ንጥፈት ዚለዓሉ ውሕስነታት፣ ዜጠቓልል ብግልጺ የውርድ።
ኣቐዲሙ ንዝተገልጸ ብዘይግድብ፣ እዚ ትካል ንዚህቦ ኣገልግሎት ንጠለባትኩም ዜማልእ፣ ወይ ዝተደልየ ውጽኢት ዜውህብ፣ ምስ ካልእ ረቂቕ ናውቲ ኣሳኒዩ ዜስርሕ፣ መዘውተሪ፣ ሥርዓታት፣ ወይ ኣገልግሎታት፣ ብዘይ ምቁርራጽ ዜመስርሕ፣ ናይ መስርሕ ወይ ተኣማንነት መስፈር፡ ዘይጋገ፣ ንዝኾነ ጌጋ ወይ ኣበር ዚእርም ዚብል፣ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ውክልና ወይ ውሕስነት ኣይህብን።
ኣቐዲሙ ንዝተገልጸ ብዘይግድብ፣ እዚ ትካል ይኹን ወይ ዝኾነ ኣቕራቢ፣ ዝኾነ ይኹን ግሉጽ ወይ ኣማቲ ውሕስነት ወይ ውክልና ኣይህብን (i) ናይዚ ኣገልግሎት ህላወ ወይ ኣሰራርሓ፣ ወይ ኣብኡ ተጠቓሊሉ ዚርከብ ኃበሬታ፣ ትሕዝቶ፣ ፍርያት፣ (ii) እዚ ኣገልግሎት ከም ዘይቋረጽን ጌጋ ከም ዘይርከቦን፣ (iii) ቅኑዕነት፣ ተኣማንነት ወይ ተቐባልነት ናይ ዝኾነ ይኹን በዚ ኣገልግሎት ኣቢሉ ዚቐርብ ኃበሬታ ወይ ትሕዝቶ፣ (iv) እዚ ኣገልግሎት፡ መሳርሒታቱ፣ ትሕዝቶኡ፣ ነዚ ትካል ወኪሉ ዚልእኮ መልእኽቲ፣ ካብ ቫይረስ፣ ስክሪፕት፣ ትሮጃን ሆርስ፣ ዎርም፣ ማልዌር፣ ታይምቦምብ፣ ነዚኣቶም ዝኣመሰሉ ካልኦት ጎዳእቲ ባእታታት፣
ገሊአን ግዝኣታት፣ ካብዞም ዝተርዘርዘሩ ብሕጊ ዝተወሰኑ ናይ ዓማዊል ዓይነት ውሕስነታት ተሓታትነት ምውራድ፣ ምጒዳል ኣይፈቅድን፣ በዚ ምኽንያት፣ ካብዞም ዝተዘርዘሩ ምውራድ ወይ ምጒዳል ኣባኹም ከይሰርሕ ይኽእል። ኣብዚ ኹነታት’ዚ ግን፣ ነዞም ኣብዚ ክፍሊ ዝተጠቕሱ ምውራድን ምጉዳልን፣ ሕጊ ብዝፈቕዶ ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ግብሪ ይውዕል።
- ገዛኢ ሕጊ
- ንሕጋዊ ግርጭታት ከይወሰኽካ፣ እዚ ውዕልን ናይዚ ኣገልግሎት ኣጠቓቕማኹምን ብሕጊ ናይዚ ሀገር ይግዛእ። ናይዚ መዘውተሪ ኣጠቓቕማኹም’ውን ንኻልእ ዞባዊ፣ ክፍለ-ግዝኣታዊ፣ ሀገራዊ፣ ወይ ዓለምለኻዊ ሕግታት ይግዛእ።
- ኣፈታትሓ ክትዕ
- ብእንህቦ ኣገልግሎት ዝኾነ ይኹን፣ ዝኾነ ይኹን ዘይትሰማምዑሉ ምስ ዚህልወኩም፣ ቅድም ንዘሎኩም ዘይምርድዳእ ነዚ ትካል ብምርካብ ክትፈትሕዎ ክትፍትኑ ከም ዘሎኩም ተሰማሚዕኩም ኣለኹም።
- ንተጠቐምቲ ኅብረት ኤውሮጳ
- ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ተጠቐምቲ ምስ እትኾኑ፣ ናይ እትነብርሉ ሀገር ዝኾነ ይኹን ጥቕምታት ወይ ከኣ ሕጋዊ ግቡኣት ኣቕርቦት ተጠቃማይ ትኾኑ።
- ሕጋዊ ተማእዛዝነት ኅቡራት መንግሥታት
- ነዚ ዚስዕብ ውክልናን ውሕስነትን ብምሃብ፣ ናይ ኅቡራት መንግሥታት እገዳ ኣብ ዚተገብረሉ ሀገር ከም ዘይትነብሩ፣ ወይ ከኣ ብምምሕዳር ኅቡራት መንግሥታት ከም “ደጋፊ ግብረ-ሽበራ” ከም ዘይተመዝገብኩምን፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ብምምሕዳር ኅቡራት መንግሥታት ዝተኣገዱ ወይ ቀይዲ ዝተገብረሎም ከም ዘይተመዝገብኩም
- ውዱቕነትን ሕድገትን
- ውዱቕነት፣ ኣብዚ ውዕል ካብ ዝቐረቡ፣ ዝኾነ ይኹን ክፋል ውዱቕ ወይ ከእ ዘይተግባራዊ ምስ ዚኸውን፣ ሕጊ ብዝፈቕዶ ብዝተኻእለ መጠን እቲ ክፋል፣ ነቲ ኪፍጸም ዝተደልየ ዕላማ ብዚሰማማዕ ኣገባብ ይቕየር፣ እቲ ዝተረፈ ውዕል ከኣ ብምሉኡ ተፈጻሚ ይኸውን።
ሕድገት፣ ብዘይካ ኣብዚ ውዕል ብዝቐረበ ኲነታት፣ እዚ ውዕል ብዝፈቕዶ መሰል ምኽባር ዘይምኽኣል ወይ ከኣ እዚ ውዕል ብዚፈቕዶ ግቡእ ንኺፍጸም ዘይምሕታት፣ ብወገን ተወዐዓሊ ነቲ መሰል ናይ ምኽባር ክእለት ሳዕቤን ኣየኸትልን፣ ወይ ብድኅርዚ ንኣፈጻጽማ ውዕል ኣብ ዝኾነ ይኹን ጊዜ ኣይሓትትን፣ ወይ ከኣ ንጥሕሰት ሕድገት ምግባር፣ ንመጻኢ በደል ሕድገት ኣይህብን።
- ኣገላልጻ ትርጉም
- እዚ ናብዚ ኣገልግሎትን መርበብ ኃበሬታን እነቕርቦ ውዕልን ኲነታትን፣ ተተርጒሙ ኪኸውን ይከኣል ኢዩ። ዘይምርድዳእ ኣብ ዜጋጥመሉ፣ እቲ ናይ መጀመርያ ናይ ኢንግሊዝኛ ጽሑፍ ይስዕር።
- ኣብዚ ውዕልን ኲነታትን ዚግበር ለውጥታት
- ኣብ ዝኾነ ይኹን ጊዜ፣ ምእራም ኣድላዪ ኣብ ዚኾነሉ፣ ብናይ በይንና ውሳኔ፣ ነዚ ውዕልን ኲነታትን ክነመኃይሾ፣ ወይ ክንቅይሮ ዘሎና መሰል ንዕቅብ። ለውጢ ውዕል ኣብ ግብሪ ቅድሚ ምውዓሉ፣ እንተወኃደ ሠላሳ መዓልቲ ኣቐዲምና፣ ምልክታ ንምሃብ፣ ዚከኣለና ጻዕሪ ክንገብር ኢና። ኣብዚ ለውጢ ዚጠቓለል፣ በይንና ንውስኖ።
እዚ ዝተጠቕሰ ለውጥታት ኣብ ግብሪ ድኅሪ ምውዓሉ፣ ንኣገልግሎትና ምብጻሕን ኣገልግሎትና ምጥቃምን ብምቕጻልኩም፣ በቲ ዝተሓደሰ ውዕል ምስምማዕኩም ተረጋግጹ። ብዝተሓደሰ ውዕል፣ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ምስ ዘይትሰማምዑ፣ ነዚ ኣገልግሎትን መርበብ መራኸብን ካብ ምጥቃም ኣቋርጹ።
- ርኸቡና
- ብዛዕባ ውዕልን ኲነታትን ዚምልከት፣ ዝኾነ ይኹን ሕቶ ምስ ዚህልወኩም፣ በዚ ዚስዕብ ናብ መርበብ ኃበሬታና ብምብጻሕ በዚ ኢመይል ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። https://www.haareg.org/contact