ብዛዕባና


ራእይና

ሓረግ ተደጋጊፍና እንትስኣሉ ዘይመኽሰባዊት (non-profit) ማሕበር ሰብ ጽቡቅ ድላይ ኢያ። ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ቢሉ ዝሓተተና ኣቦ ኩላትና ሓደ ኣምላኽ ምዃኑ ውሉድ ናይዚ ሓደ ኣምላኽ ንምዃን ገበርቲ ሰላም ምዃን ከም ዜድልየና ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግሥተ ሰማያት ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ ጽሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ

ምስ ሓውና ዝተፈላለና፡ ጸላኢና ንመሠረት ማኅበር ዝኾነት ሥድራ ቤት ስለ ዝወቕዐ ኢዩ፡ ኣቦ ካብ ኩሉ ዕግርግራት ሓደጋታትን ኣናጊፉ ናብ ሓውናን ናብ ሥሩዕ ቅሳነት ዜብጽሓና ኣደ ምልእቲ ጸጋን ንነፍሲ ወከፍና ብኣምላኽ ዝተዋህበትና ኣደ ኣብ ኩሉ መገድና ከተሰንየና ሓው ብስራሕ ምሕረትን ብጽሩይ ልብን ብግብርታት ሰላምን፦ ሰማያዊ ኣቦና ንምርኣይ ዜኽእለና

ዕላማና

ንሓውና እንረኽበሉ ዝበለጸ መምርሒን ከኣ፡ ኣብነት ናይ ቅድስቲ ሥድራ ምኽታል ኢዩ። ሓውና ድኅሪት ተረፈ፡ ወለዱ ኣይፈለጡን ምስ ሰብ መገዲ ዘለው መሲልዎም ደለልዮም ሰኣንዎ ደለልዮም ሰኣንዎ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ ደለልዮም ሰኣንዎ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕድስ ረኸብዎ ሓወይ ረኺበዮ (ኣብ) ግዳም: (ሓረግ) ዚብል መጸውዒ ስም ብኣብነት ቅድስቲ ሥድራ፡ ኣብታ ዝተፈላለናላ ንራኸበሉ ካብ መረረ ናብ ምስጋና እንሰጋገረሉ ኢዩ።

ተልእኮና

ብግብራዊ ምድላይ ንሓውና ክንረኽቦ ብጸሎት ዝተዳለወ ጽሩይ ልብን እናተሓደሰ ዚኸይድ መሳርሕን (Iterative revitalization) ብምሓዝ ምውፋር ብግብራዊ ምድላይ ንሓውና ዝረኸብዎ ድምጽና ኣልዒልና ሓናጺ ብዝኾነ ኣገባብ ክንምስክር፦ ነዚ ዚሕግዙ ኣብነታት ናይቶም ንምድላይ ሓውና ዚጽዕሩ ንልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኬለዓዕልን ናብ ተመሳሳሊ ዕዮ ኬዋፍርን፡ ሓበሬታ ምእካብን ምጽናዕን፦ ብሉጻት ኣብነታት ምዝንታው፡ ጥዑም ብሥራት ምንጋር ኣብ ዕለታዊ ጻዕሪ ጥራሕ ከይተጸመድና፡ ንኹለንተናዊ ዕዮታት ሓረግ ካብ ዝለዓለ ናብ ዝረኃቐ ምጥማት። ናብ ምሉእ ዕላማ ገበርቲ ሰላም ንምዃን ዜብጽሓና ደረጃታት ንምልላይ፡ ንኹሎም ዚወፍሩ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ኣሕዋት ካብ 8 ብዘይበዝሑ መኣድታት ቅድስቲ ሥድራ፡ ንኹሎም ወፍርታትን ዕዮታትን ከኣ፡ ኣብ ሠለስተ (ግብሪ ሠናይ፡ ግብሪ ፍትሒ፡ ግብሪ ሰላም) ምሥራዕን ምምዳብን።

7 ኅብረተሰብኣዊ መምርሒ

1) ሕይወትን ክብርን ደቂ ሰባት
2) ጸዋዕታ ሱታፌ ስድራቤትን፡ ማኅበረሰብን
3) መሰላትን ግቡኣትን
4) ግደድኻታትንጥቑዓትን
5) ክብረት ስራሕን መሰል ሰራሕተኛታትን፡
6) ምድግጋፍ፡
7) ኃልዮት ተፈጥሮ፡

7 ስጋውያን ግብረ-ምሕረት

1) ንዝጠመዩ ምብላዕ
2) ንዝጸምኡ ምስታይ
3) ንእሱራት ምውጻእ ሓራ
4) ንዝገሹ ምቕባል
5) ንዝሓመሙ ምብጻሕ
6) ንዝዓረቑ ምኽዳን
7) ንዚሞቱ ምቕባር

7 መንፈሳውያን ግብረ-ምሕረት

1) ንሓጢኣተይናታት ምምዓድ
2) ንዘይፈልጡ ምምሃር
3) ንዚጠራጠሩ ምምካር
4) ንዚሓዘኑ ምጽንናዕ
5) ንግጉያት ብትዕግሥቲ ምእራም
6) ንኹሉ በደላት ምሕዳግ
7) ምእንቲ ዘለውን ዚሞቱን ምጽላይ

ናይ ተልእኾ ጸሎት

ኦኣምላኽና፡ ንስኻ ዘይትነጽፍ ምንጪ ሓቀይና ሰላም ኢኻ'ሞ፡ ንኣዳም፡ ምስ ተኃብአ፡ "ኣበይ ኣሎኻ?" ቢልካ ዘናደኻዮ፣ ወድኻን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነታ ዝጠፍኤት ሓንቲ ኬናዲ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣባጊዑ ገዲፉ ኪወፍር ዝለአኽካ፣ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ነቶም ጥራሕ ኢዶም ዝተላእኩ ሓዋርያት ብህያባትካ ዘሀብተምካ

ንሕና'ውን ብወገንና፡ ነቲ ኣብ ምድራዊ ጉዕዞና ካባኻ እንቕበሎ ተልእኾ ክነማልእ፡ ብመለኮታዊ ተስፋ ተቢዕና ንኃውና ኣብ ዘሎዎ ክንበጽሖ፡ ብርኅሩኅ ልቢ ክንሰምዖ፡ ብሕያውነት ክንጥምቶ፡ ብግብርታት ምሕረት ኣእዳውና ክንዝርግሓሉ፡ ኣብዚ ጒዕዞ'ዚ ተዓንቂፍናን ወዲቕናን ከይንተርፍ፡ ምስኡ ተደጋጊፍና እንትንሥኣሉ ጸጋኻ ክትህበና፡ ብኣማላድነት ቅድስቲ ስድራ ንልምን ኣሎና።

ኣሜን።