ኣሚተ
ኣምላኽ ዝመጓዕዝታ
ሰበይቲ፥ ትንገር ዛንታ
ሳራ ኣብ ዕድመ ዕራርቦ፥
"ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነየልቦ!"
ሃጋር ኣብ ምድረ በዳ
"እነሀ ኣምላኽ!" ዘርጊሓ ኢዳ
ረሃብ "ከም ሰብ ተቘጺረ፡
ኣጋይሽ ኣምላኽ ኣሕዲረ!"
እንተሰሚዕናያ ንሃና
"ኣምላኽ ይምልስ!" ትብለና
ሩት ክትብል ዘስተውዓለ
"ኲሉ ዚኣክል ኣምላኽ ምስ በለ!"
ኣስቴር "ካብ ሓመዂሽቲ ሕመት፡
ኣምላኽ የልዕል ናብ ሽመት!"
እምነት ኤልሳቤጥ'ዩ ንዝሸምገለ፥
"ኣቦ'ቲ ዝዓበየ ፍጡር" ዘበለ
ድምጺ ማርያም'ዶ ሰሚዕካ፧
ኪትብል "ይዂን ከም ፍቓድካ!"
እታ ሰበይቲ፡ ዚፈሳ ደም፡
"ኲሉ ቅባጸት ብኣምላኽ ይድምደም!"
ማርያምን ማርታን ኪብላ ተሰምዓ!
"ረኣና ሞት ዳግም ሕይወት ሰዂዓ!"
ንስምዓያ ነታ ኣማኒት ዶርቃስ፡ ክትምስክር ተንሢኣ ካብ ናይ ሞት ድቃስ
ተሓጐሳ ኣትን ኣንስቲ
እምነትክን ፈርዩ 30፡ 60፡ 100
እቲ ምስ ኣምላኹ ዝተጓዕዘ፡
ይንገር ጸጋኡ ምስ ወሓዘ!
ኣሚተ
ኣምጹለይ ሽጒርቲ
ክተክል ሽጒርቲ
ዘመን ባርነተይ
ከይናፍቕ ምእንቲ
እንከሎኒ ርስቲ
ኣምጽኡለይ ሽላን
ክተክል'የ ሽላን
ፍረኣን ቆጽላን
ኣቋስየ ክበልዓ
ምስ ለውዝን መሸላን
ኣሚተ
ሕዝበይ ብነጸላን
ብኸበሮን ጓይላን
"ዑፈይ ብረሪ" ቢላን
ተቖጻጽያን ደቢላን
ብዕንባባ ሽላን
ሓቚፋን ተቐቢላን. . .
ብዘይ ባይቶን ዋዕላን
ነባጒንባሕን ሽላን!
ኣሚተ
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል. . .
ንየው ንብዓት ይውህለል
ነጀው ግን ይዕለል
ሽማግለ ጎብለል
ንድንቊር ንጽለል
ኣብራኽና ይሕለል
ንለውጢ ንምህለል
ኣሚተ
"ጎተት!" ንምውራድ
ክስኽትት በራድ
ናናሳዕ ጒያ
ክሳዕ መኣስ'ያ
ዑደት እዛ ናብራ
ከደት ከም ዛግራ
ምኽኒት ከወግድ
ስኒት ከአንግድ
ኣሚተ
ቀራና ቀራና
ናብ ጽቡቕ ምርሓና!
ስጒምታት ጉዕዞና
ብርክታት ቀራና
ወይ ንነጥር
ወይ ንጥርጥር
ኣሚተ
ውርውራ ሰንኰፍ ወቕቲ
ምንጪ ዓመጽ መግሓጥ ሃብቲ
መጻይ ደም ሕማቕ ትዕድልቲ
'ታ ድላየይ ንኸይገብር
ኅልናይ'ውን ንኸይቀብር
ምጡን ዓቐን ብምስጓም
ዚሕዘኒ ጽኑዕ ልጓም
ሞራለይ'ዩ መጥመር ማእሰር
መልክዕ ፍጥረት ናይ ሰብ ኣሰር።
ኣሚተ
ምምንዛዕ
ናይ ኣራዊት
እያ መዕነዊት
ዶብ ምስፍሕፋሕ
ከም ሮማዲ
ናይ ሰብ ዘውዲ
ከንቱ ምውፋር
ብዘይ ጓሳ
ሥርዓት ዴሳ
ኣሚተ
ዘዝወረደ ኣደራዕ
በብዓዱ እንኪሥራዕ
ኣጻብዕና ቋዕ ቆራዕራዕ
ኣብራኽና ብራዕዲ ራዕራዕ
ኣታ ንመን'ዩ ዚጥራዕ፧
ኣዴታት'የን ሽግ ተስፋ
ናይ ምድሪ ክሳዕ ኣጽናፋ
ኣሚተ
ነቲ ዘይረግጽ ሓሰኻ
"ሴፍካ'ልዕል ተራኻ!"
ዚብል ኣዋጅ በረኻ
ዘይፈትሕ ማሕለኻ
ናብ ጎልጎል መጋጠሚ
መሳበሪ ዓጽሚ
ንያቱ ጸልማት ጋህሚ
ጒዕዞ "ይኃይሽ ዓሚ!"
ኣሚተ
ኣሰሮም ኣብ ማያት
'ዞም ደቀይ ዉፉያት
ኣብ ርሑቕ ቀላያት
ምስ ዓረቦም ንያት
ጻውዒት ዘራያት
ናይ ርድኡና ኣውያት
ናይ ጠፋእና ብኽያት
በጺሑ ሰማያት. . .
ኣሚተ
ዕዮኡ ዚውጥን
ልሳኑ ዚምጥን
ምስ ዘመን ዚሥልጥን
ብመቚሕ ሰያጥን
ከይምልብስ ከይቀጥን
ኲራኡ ዚጥንጥን
ንምሕረት ዚፈጥን
ዶ'ኾን ኣይትፈልጥን፧
ኣሚተ
ካብ ናይ ስሕተት ዶባት
መዋጽኦ ብምምካር
ቆራጽ ምስንባት
ብምሕምባስ ወይ ምሕኳር
ምሕዛል ወይ ምጒርባት
ምጒታት ወይ ምሽክርካር
ኣሚተ
ኣሚተ
ትርጉም፡ ዘ ሃውንድ ኦፍ ሄቨን፣ ፍራንሲስ ቶምፕሶን
ኣሚተ
ካብኡ ሃዲመ፡ ደድኅሪ ለይቲ ደድኅሪ ቀትሪ፡
ካብኡ ሃዲመ፡ ደድኅሪ ዓመታት ገበላታት ዕምሪ፡
ካብኡ ሃዲመ፡ ደድኅሪ ሕልኽላኽ ጐደና ፡ ስውር መዛወሪ፡
ናይ ሓሳበይ፡ ንገጸይ ዚጐልበቦ ግመ ንብዓተይ ይዛሪ፡
ካብኡ ተኃቢአ፡ ብዘየቋርጽ ሰሓቕ ኣውኪዐ።
ኣማዕዲየ ዓቐብ ተስፋታት፡ ክበጽሖ’ውን በቒዐ፡
ተሃዊኸ ናብቲ ኣብ ቅድመይ ዝተሠርዐ፡
ኣንቆልቊለ ደርማስ ጸላም ብፍርሕታት ተገማሚዐ፡
ካብተን ኃያላት መሓውር ዚስዕባኒ፡ ብዘይሕለል ብርታዐ።
ትርጉም፡ ዳርክ ናይት፣ ቅ. ዮሃንስ ዘመስቀል
ኣሚተ
ብለይቲ ኸውታ፡
ተቓጺለ ብናፍቖት ፍቕሪ ሃልሃልታ፡
ነፍሰይ ከመይ ዝበለ'ዩ ትዕድልታ፡
ተጓዒዛ ብልዑል ሰላሕታ፡
ብዓብይ ህድኣት ካብ መዕረፊ ቤታ
ካብ መዕረፊት ቤተይ ምሽእቲ እዋን ክጽበ፡
ብጸልማት ደኃን ምዃነይ ተዓዚበ፡
ብምሥጢራዊት መሳልል ብፍሕሶ ደሪበ፡
ተኸዊለ ጸልማት ተጐልቢበ፡
ብዕድል’ዛ ነፍሰይ ኣነስ ዓጊበ።
ኣሚተ
ምብጻሕ ምብሳር'ዩ ብልኡኽ ጎይታ
ምብጻሕ ምኽባር'ዩ ቅዱስ ቦታ
ገብርኤል በጽሓ ነታ ጎርዞ ድንግል
ሓጢኣት ዘይተንከፋ ጸጋኣ ዘይጎድል
ፈጣሪ ክትወልድ 'ቲ'ድኅነት ዚዕድል
ንሰማይን ምድርን ክተራኽብ ድንድል
ብሕራያ ኪወሃብ ናይ ድኅነት ዕድል
ምብጻሕ ምግራም'ዩ ብዜስተንክር ዛንታ
ምብጻሕ ምልጋስ'ዩ ብምልኣት ለቖታ
ምብጻሕ ምብሳር'ዩ ብልኡኽ ጎይታ
ምብጻሕ ምኽባር'ዩ ቅዱስ ቦታ
ገብርኤል በጽሓ ነታ ጎርዞ ድንግል
ሓጢኣት ዘይተንከፋ ጸጋኣ ዘይጎድል
ፈጣሪ ክትወልድ 'ቲ'ድኅነት ዚዕድል
ንሰማይን ምድርን ክተራኽብ ድንድል
ብሕራያ ኪወሃብ ናይ ድኅነት ዕድል
ምብጻሕ ምግራም'ዩ ብዜስተንክር ዛንታ
ምብጻሕ ምልጋስ'ዩ ብምልኣት ለቖታ
እንድርያስ ገብረኢየሱስ
ጽጌረዳ ንእሽቶ ወያ ሕንሳስ ልደ
ማይ ወሪዳ እትሕግዝ አደ
በረኻ ውዒላ 'ተእቱ ናታ ጊደ
ናብራኣ'ንዶ'ሞ ከይዱ 'ናገደደ
ናብራ'ሕዋታ በዚሕዎ መግዛእቲ
እቲ ሓደ ማእቶት ናይ ክረምቲ
'ቲ'ገልግሎት ከሊኦሞ ዕረፍቲ
በይና ኾይና ጽጌረዳ ጽብቕቲ
ኣሚተ
እዋኑ… ብሓፈሻ፡
ዘመን ደርጊ፥ ራሻ
በ'ውቶቡስ ንመገሻ
ነቒላ ኣብሻ፡…
ሓሲባ፡… ብማሙሻ
ንኸይትርብሻ
ንርእሳ ኺሕሻ
ኣዕሚዃታ ቕርሻ
ደኃር ክትሕሽሻ
ዓካታ፥ ኣራንሻ…
ኣሚተ
ኣሰሮም ኣብ ጸልማት
'ዞም ደቀይ ጥዑማት
ናይ ህዝቦም ስልማት
ኮይኖም ከም ዘኽታማት
ምስ ሓይሎም ድኹማት
ምስ ልሳኖም በሃማት
ኣብ ዳሶም ዕዱማት
ስኢኖም ምግማት
ቋሕ ኢልካ ምጥማት
መጻኢኦም ምእማት