ኣሚተ
ሕዝበይ ብነጸላን
ብኸበሮን ጓይላን
"ዑፈይ ብረሪ" ቢላን
ተቖጻጽያን ደቢላን
ብዕንባባ ሽላን
ሓቚፋን ተቐቢላን. . .
ብዘይ ባይቶን ዋዕላን
ነባጒንባሕን ሽላን!
ሕዝበይ ውጻእ መዓት
ናይ ገዛእቲ መንድዓት
ዝረግፈሉ ሰዓት
ኣምጺኣ ብትብዓት
ወጺኣ ናብ ቅርዓት
ሓሪዳ ዝራብዓት. . .
ብኽድዓት፡ ብቕጽዓት
ዓስባ ዛራ ንብዓት!
ሕዝበይ 'ተትዕደል
ካብ ከታሪ ወደል
ካብ ሓሳር ካብ በደል
ወጺኣ ክትደላደል
ስራኽ ሳእና ሰንደል
ከይበለ ሰንደልደል. . .
ኬቕስና ዚጋደል
በዓል እምሮ ምስ ፊደል!
ሕዝበይ ከይተጥፍእ
ናይ ዐይና መርፍእ
ሎሚ 'ተትነፍዕ
ኣቀባቢላ መድፍዕ
ንኃዋ 'ተዘይትገፍዕ
ኣብ ሥኒት 'ተትድንፍዕ. . .
ጽባሓ ነይከፍእ
ክሳዳ ነይትደፍእ!