ጽጌረዳ ንእሽቶ ወያ ሕንሳስ ልደ
ማይ ወሪዳ እትሕግዝ አደ
በረኻ ውዒላ 'ተእቱ ናታ ጊደ
ናብራኣ'ንዶ'ሞ ከይዱ 'ናገደደ
ናብራ'ሕዋታ በዚሕዎ መግዛእቲ
እቲ ሓደ ማእቶት ናይ ክረምቲ
'ቲ'ገልግሎት ከሊኦሞ ዕረፍቲ
በይና ኾይና ጽጌረዳ ጽብቕቲ
ካብ ዓጺድ ኣቲና ተኺልና መኣዲ
"ክነመርዕወኪ!" ባህጊ ናይ ወለዲ
"ብርሀን ዓይኒ ክትጸንሕልና' ብ'ዓዲ
ክትምረቒ ሕራይ በሊ ግዲ"
"አይምርዖ አይሕጸ! አነ ንዘይፈልጦ
ኣብ ዓዲ ተሪፈ የልቦን ዝልውጦ
ብርሃን'ዶ በልኩምኒ ንጸልማት ክውሕጦ"
ቢላ ሓሰበት እናሰምዐት ብተመስጦ
ወዲ ሐትነይ ኢዩ ብዙሕ ዝቐርበኒ
ኩሉ ነጊረዮ እንተሐገዘኒ
"ግፋ'ሎ ጽባሕ ኣይሓድር ኣይቅኒ
ክሃድም'የ" እናበለ ምስጢር ነጊሩኒ።
እውይ ጉደይ! መርድእ ኮይኑኒ
ምሳኻ'የ ዝረኸበካ ክረኽበኒ
ኣይወርድን ሳዋ፡ ምሳኻ ይሕሸኒ
ይዋኣት ወለዲ ክትጽልምቶም ዐይኒ
ኣበይ ከም ንራኸብ ጥራሕ ንላዘብ
ንመገዲ ዚኾና ክትቋጽር ገለ ገንዘብ
ገፊፎማ ኸይዶም ቆጸራ ክትዕዘብ
ቁኖአ ተፈቲሑ ጀመረቶ ዘብዘብ
ለይቲ ፎሌን ቀትሪ ታዕሊም
ምሸት ማእቶት ብዘይ ሰለም
ኮይኑዋ ዓቐብ ብዘይ ቃልዓለም
ኮደብ ኮደብ ኣይተኻእለን
ሓደ ጸላም ምሸት አብ ምድቃሳ
ሽፍን ኢላ፡ ንብዓታ ኣፍሲሳ
ምርር ኢልዋ ጓሂ ምስ ጣዕሳ
በልማዝ 'ታ ጓል ባጽዕ ግን ተደዓዒሳ
ብሕሹኽታ ናብ እዝና ቀሪባ
"ንዒ" እናበለት ብኢዳ ሰስሒባ
እናተሓጋገዛ ይሕጸባ ይሓጽባ
ነናይ ዘጋጠመን ውዕሎ ይዛረባ
እሞ ... በቃ ጸሊእክዮ ሳዋ!
ንሱዳን'ዶ ኽንሃድም ምስ ደቀሱ ሓለዋ
ተጎልቢብና ናይ ለይቲ ጽምዋ
ንጉዕዞ ስደት ብዕንቅፍቲ ተፋነዋ
ሱዳንስ መዓት ጸገም ኢዩ ሽግር
ደወለት ቴሎፎን ድሃይ ንኽትገብር
ሃለው! ሃለው! ሃለው ገባር
ወዲ ሐውቦአ አሜርካ ዝነብር
ሱዳን አትየ: ስደደለይ ሰልዲ
ብሊብያ'ቢለ ኣስገርቲ ከናዲ
"ስምዒ እሞ ናተይ ቃል ሊብያ አይትኺዲ
ምጥሓል አሎ: አብ ናይ ቀላይ መገዲ"
ቶዮታ ተጻዒና ነቐለት ናብ ሊብያ
ምድረበዳ ክትስንጥቕ ንቕያ
ሑጻ ተኸዲና ብረሃጽ ጠልቅያ
ትሪፖሊ በጽሐት ብጸሎት መቚጸርያ
መሊሳ ደወለት ዝወረዶ ገባር
ክፈሊ ኢሎምኒ ሽዱሽተ ሚእቲ ዶላር
ምስቶም መጓዕዝተይ ክንሰግር ብኃባር
ብጥሜት ካብ ምሟት ብበትሪ ካብ ምስባር
ደላሎ ደው ኢሎም ገንዘብ ይቕበሉ
ናብ የማን ናብ ጸጋም ላዕልን ታሕትን ይብሉ
መስርዕ ኮይኖም ሰባት ኪስቀሉ
ጽጌረዳ'ውን ተርታአ አኺሉ
አብ ድሕሪት ጫፍ ወሰን ተሰቒላ ጃልባ
እንትርፎ ማይ ምራድ ኣብ ናይ ዓዳ ሩባ
ዘየጥሕል ዕምቈቱ ቀረባ
ብሓሳብ ምሕምባስ ዓቕላ ጸበባ
ኪምስሉ ይብሉ ያሒትካን ክስፋንካን
ብፍርሒ ርዒዳ ኣንቀጥቀጠት ካን
ከም ሰበይ ንምባል ስኢና ምጭካን
ጉዕዞኣ ጀመረት፡ ሓቚፋ ጀሪካን
ኣይ'ጎቦ ኣይ'ምባ ኣይ'ሕሉም ኣይ'ጠረር
ባዕልኺ ሐልውኒ ካብቲ ዚጻረር
ሰአሊ ለነ ቅድስቲ ጸላኢየይ ይሕረር
እግዚኦ መሓረነ ክብል እምበር ከይማረር
ብናይ ንፋስ ጸቕጢ፡ ብናይ ሚዛን ምስሓት
ከም ወደቓ በርቂ ከም ጽፍዒት ምትሃት
ጃልባ ተጎምቢያ ክትሰጥም ብምትሓት
ኣውያትና ተሳእኖ ምስጋር ናይ ማይ ስፍሓት
ኣብታ ጨካን ባሕሪ ኣብታ ጸላም ዕለት
ጽጌረዳ እውን ልባ ተንጠልጠለት
አብታ ጀሪካና ጠቢቓ ተሐዝለት
አይከበደታን ጸለል ድአ በለት
አይገድፍክን ኢየ አደዋ አዳዋ
ጀሪካን ሐቚፈን ክልተ አእዳዋ
አነ ጉዳም! በጃኩም አይተርድእዋ
አመኻንዩለይ ደሓን'ያ በልዋ
ጠሊምዋ ልባ፡ ተሸነፈት ጽጌረዳ
ቁልዕጽ በለት አውደቐት ክሳዳ
ፖቨሪና! ኢለን ዓቀናአ ኢዳ
ካብ መራኽብ ማዕዶ ክረድኣ ዝወረዳ
ሓሸሽ ብዚብል ዜንጸባርቕ ድርዕቶ
ልባ ፈሊጣ ብኽያት ደርጓሐቶ
ተረዲኣ ንሞት ከምዝሠዓረቶ
ካብ ኣፍ ባሕሪ'ምሊጣ ማርያም ደሓን ትእቶ
ናብ ስዊዝ አትያ ናብ ከተማ ባዝል
ምሳሓ ትቛጽር ሳንጣኣ ትሓዝል
ምስቲ ለማሽ ጸግሩ ክትምርዖ ክትመስል
ስድራኣ ክትሕግዝ ኩሉ ተሰላስል
ጽቡቓት ኣዒንታ ደሚቐን ብኹሕሊ
ቃል ኪዳን ኣሲራ ኣኽቢራ ንባህሊ
ትመሀር ትሰርሕ ሓዳራ ትኣሊ
ዘይ'ዛ ሰላም'ዚኣ ካልእ 'ታይ ትደሊ?