ኩርናዕ ሥነ ጥበብ



ትኣምን'ዶ


ኣሚተ


ካብ ናይ ስሕተት ዶባት
መዋጽኦ ብምምካር
ቆራጽ ምስንባት
ብምሕምባስ ወይ ምሕኳር
ምሕዛል ወይ ምጒርባት
ምጒታት ወይ ምሽክርካር

ብእተሰነፋ'እጋር
መኽሊት ንምርባሕ
ብፍሑዂ ምስጋር
ምውፋር ኣብ ጸጽባሕ
ምእማን ዘይምሽጋር
ከይከውን ቀባሕባሕ

ትደሊ'ዶ፡
ብመገዲ ጣዕሳ
ይቕረታ ምስ ካሕሳ
ነፍሳት ኪፍወሳ፧

ትጽዕር'ዶ፡
ንምስፋን ፍትሒ
ብሃሩር ብቐዝሒ
ብዋሕዲ ብብዝሒ፧

ትጎዓዝ'ዶ፡
ብመገዲ ጽድቂ
ብራህዋ ብጭንቂ
ይንቀጽ ወይ ይጨቂ፧

ተናዲ'ዶ
ንመገዲ ጥበብ
ይርሓብ ወይ ይጽበብ
ይቀላዕ ይጎልበብ

ትስዕብ'ዶ፡
መስቀልካ ንምጻር
ይንዋሕ ወይ ይሕጸር
ይከበብ ይተሓጸር

ትጸንዕ'ዶ፡
ኣብ መገዲ ምሕረት
ብምሾት ብምረት
ውርደት ኮነ ኽብረት

ትነቅሕ'ዶ፡
ኣብ ስፍራ'ታኽልቲ
ዕዳጋ ሰዓምቲ
ንጹሕ ደም መሸመቲ

ትፈልጣ'ዶ፡
ንመገዲ ፍቕሪ
መሊኣ እትዛሪ
እተጀርብብ መዕቆሪ

ትበጽሕ'ዶ
ኣብ ደገ ሰላም
ብብርሃን ወይ ጸላም
ማሕላኻ ብዘይምጥላም፧

ትኣምን'ዶ፡
ኣንዊሕካ ክትስድር
ቤ'ታ'ቦ ክትሓድር
ክትጋልብ ክትዕንድር።