ኣሚተ
ኣምጹለይ ሽጒርቲ
ክተክል ሽጒርቲ
ዘመን ባርነተይ
ከይናፍቕ ምእንቲ
እንከሎኒ ርስቲ
ኣምጽኡለይ ሽላን
ክተክል'የ ሽላን
ፍረኣን ቆጽላን
ኣቋስየ ክበልዓ
ምስ ለውዝን መሸላን
ኣምጽኡለይ ኣውሊዕ
ክተክል'የ ኣውሊዕ
ሓምቲለ ክጸምቆ
ዓታሮይ ክመልእ
ምስ ሃበ ዘይከልእ
ኣምጽኡለይ ሳግላ
ክተክል'የ ሳግላ
ኣዒንተይ ከይክወላ
ቊልቊል ክርእየላ
ጎይታ ክረኽበላ
ኣምጽኡለይ በለስ
ክተክል'የ በለስ
ንመርገም ክቃለስ
ጠምዩ ዝቐረባ
ስኢኑ ከይምለስ
ኣምጽኡለይ ኣድሪ
ክተክል'የ ኣድሪ
ሚእቲ ስሳ ሠላሳ
ኣብዚሓ ክትፈሪ
ክትመልኣ ንምድሪ
ኣምጽኡለይ ጌሶ
ዳጒሻ ክሓፍሶ
ብሓደ ክንሕምሶ
ጽምኢ ክነልግሶ
ድኻም ክነፍኲሶ
ኣኣዳውና ኣይሞቃሕ
ቡንና ንትከል ንንቃሕ
ካብ ሰብ ካብ ንልቃሕ
ምስ በለና ቃሕቃሕ
ዓይንና ንምንቋሕ
ባልደንጓ'ዳጒራ
ኣዒንቲ ኲሕሎት
ናይ ኃይሊ'ገልግሎት
ንቕልጽም ኣምበሎት
ንኣብራኽ ጸሎት
ቀያሕ ሰርጌን ጻዕዳ
ወሪዳ መኼዳ
ደቃቕ ጣፍ ሽሕ ወሊዳ
ብማዕድናት ከቢዳ
ሕውየት ኣኣንጊዳ
ለኣኹለይ ሪሓን
ዕምባባ ምዑዝ ጨና
ንቖርበተይ ጥዕና
ንቤተይ ማዕጠና
ክተኽላ'ብ ገደና
ለኣኹኒ ወፈራ
ንምድሪ ከፍቅራ
ክትፈርየለይ ማና
'ቲ ምቊር እንጌራ
ቊርሲ ናይ ኃበራ
ሠለስተ'ኅዋት ዕፉን፣
ዱባ ምስ ዓተራ
ዱባ ክተጽልል
ኣቚጽልታ ገቲራ፡
ዓተር ክትድኲዕ
ኣብ ዕፉን ተሓንጊራ
ተደጋጊፍካ ምትንሣእ
ብኣብነት ይነግራ
ኣምጽኡለይ ስርናይ
ክዘርእ'የ ስርናይ
ንምጥሓን ንምድኃን
በርካታይ ሰሳናይ
ስጋ'ቲ ኣዶናይ
ኣምጽኡለይ ወይኒ
ክተክል'የ ወይኒ
ለዊጡ ኬስትየኒ
ናብ ደሙ መድኃኒ
እቲ ዚብጀወኒ
ብቕኑዕ ኣብነት
ጽዒርና ብኡነት
ንምለሶ ናይ ጥንቲ
ውርሻ ገነት
ንምልኣት ቅሳነት