ኩርናዕ ሥነ ጥበብ



ሠንሰለት ቀራና


ኣሚተ


ቀራና ቀራና
ናብ ጽቡቕ ምርሓና!

ስጒምታት ጉዕዞና
ብርክታት ቀራና
ወይ ንነጥር
ወይ ንጥርጥር

ምጥርጣር ዘይጽረግ
ዜብለና ነግ ፈረግ
ወይ ንስዕም
ወይ ንጥዕም

ቀዲሕና ብምጥዓም
ብምእባይ ወይ ምርዓም
ወይ ንምስክር
ወይ ንሰክር

ርኢና ምምስካር
ንዂናት ንሽንካር
ወይ ንነድቕ
ወይ ንወድቕ

ሓቂ'ናፈለጥና
ምውዳቕ ዕድሎትና
ወይ ንንያት
ወይ ንኣውያት

ብኣውያት ምጽዋዕ
ድምጽና'ቢልካ "ዋዕ"
ወይ ንረድእ
ወይ ንጎድእ

ብውርጹጽ ንረድእ
ብህጹጽ ንጎድእ
ወይ ንሕክም
ወይ ንልክም

ብሽልን ብሕርካም
በብቚሩብ ምልካም
ወይ ምጒርባት
ወይ ምሕርባት

ዕጫ'ዩ ዕልባት
ምስ ሰብ ምጒርባት
ወይ ንዕወት
ወይ ንዕንወት

ዓወት ድኅሪ ቃልሲ
ከከም ዓይነት ፈልሲ
ወይ ንሥርዓት
ወይ መንድዓት

መደያይቦ ዙፋን
ሥርዓት ንምስፋን
ወይ ንምድማዕ
ወይ ንምግማዕ

ልሳንና ብምቕጻዕ
ድማዕ ንመባጻዕ
ወይ ንመርሕ
ወይ ንጎርሕ

ብምጒራሕ ንነቅል
ኣብ ክልተ ንመቅል
ወይ ንምጽንጻን
ወይ ንምንጽናጽ

ካብ ዓብይ ካብ ሕጻን
ዝተባህለ ምጽንጻን
ወይ ንመሚ
ወይ ንሓሚ

እሙን ድዩ ጣልማይ?
ሓቁ ንምምማይ
ወይ ንምንጻሕ
ወይ ን"ጻሕ"

ኣብ ጸልማት ድቕድቕ
"ጻሕ" ኢልና ዚወድቕ
ወይ ብምትጋህ
ወይ ብምግራህ

ብሃሩርን ቊርን
ምትጋህ ለይትን ቀትርን
ወይ ብትብዓት
ወይ ብንብዓት

ንብዓትና ነፍስስ
ንብዓቶም ንሕንስስ
ወይ ብምፍራሕ
ወይ ብምርሕራሕ

ምሥጢር ምፍራሕ
ብትህኪት ወይ ስራሕ
ወይ ንጥበብ
ወይ ንሰበብ

ጥበብ ዕምሪ
ፍርሒ ፈጣሪ
ወይ ንምግናሕ
ወይ ንምናሕ

ምናሕ ብርኪ
ኣብ ግዝኣት ምልኪ
ወይ ንምእሳር
ወይ ንምሳር

ድሉው ምሳር
በታኽ ሓሳር
ወይ ንምቕጻል
ወይ ንምቕንጻል

ምቕጻል፡ ዘጸኣት
ክሳዕ ምጽኣት
ወይ ንምንጣቕ
ወይ ንምጥጣቕ።