ትርጉም፡ ዘ ሃውንድ ኦፍ ሄቨን፣ ፍራንሲስ ቶምፕሶን
ኣሚተ
ካብኡ ሃዲመ፡ ደድኅሪ ለይቲ ደድኅሪ ቀትሪ፡
ካብኡ ሃዲመ፡ ደድኅሪ ዓመታት ገበላታት ዕምሪ፡
ካብኡ ሃዲመ፡ ደድኅሪ ሕልኽላኽ ጐደና ፡ ስውር መዛወሪ፡
ናይ ሓሳበይ፡ ንገጸይ ዚጐልበቦ ግመ ንብዓተይ ይዛሪ፡
ካብኡ ተኃቢአ፡ ብዘየቋርጽ ሰሓቕ ኣውኪዐ።
ኣማዕዲየ ዓቐብ ተስፋታት፡ ክበጽሖ’ውን በቒዐ፡
ተሃዊኸ ናብቲ ኣብ ቅድመይ ዝተሠርዐ፡
ኣንቆልቊለ ደርማስ ጸላም ብፍርሕታት ተገማሚዐ፡
ካብተን ኃያላት መሓውር ዚስዕባኒ፡ ብዘይሕለል ብርታዐ።
ብዘይህወኽ ስጉምቲ እግሪ እግረይ ዚኽተላ፡
ከይተረበሻ ኪስዕባኒ ዚውዕላ፡
ብርጉጽ ህሞት፡ ፍጥነትን ክብርን ከየጒደላ፡
ዲጒዲጒ ስጉምታቱ---መቓልሕ ቃላቱ፡
ንእግሩ ቐዲሙ ኪስማዕ ዚኣቱ---
“ኩሉ’ዩ ዚጠልሞ፣ ንኣይ ዚጠለመ።”
መጐተይ፡ ካብ መሻፍቶይ ሰዲደ፡
መሳኹቲ፡ ብቕርጺ ልቢ ዝተዓርደ፡
ብቐይሕ ሃሪ ዝተጋረደ፡
ብንዳእቲ ሓልዮት ዝተሰጐደ፡
ፍቕሪ ሰዓብየይ እፈልጦ በብሓደ፡
ብፍርሂ ቆሲለ ብቓንዛ ርዒደ፡
ካልእ ኩሉ ገዲፈ፡ ንሱ ጥራሕ ኪኸውን ናተይ ግደ።
ግና፡ እንተትፍንቀቕ ነይራ ንእሽቶ መስኮት፡
ከም ህቦብላ ንፋስ ምመልአ ናቱ ኃይሊ መለኮት፡
ፍቕሪ ነጊሣ ፍርሒ ክትስእን ማእኮት፡
ንወርቂ ማዕጾ ከዋኽብቲ ረሓት ክኸልእ ተንጠልጢለ፡
መጽለሊ ኸናዲ ኳሕኲሐ ‘ቲ’ሓጹር ኪእለ፡
ተባሃጊ ድምጺ እንተብቆለ፡
ካብ መዓርፎ ወርኂ ልስሉስ ጥዑም ደሃይ እንተፈልፈለ፡
ንወጋሕታ “ኪዲ ስለጢ” ንዕራርቦ “ንዒ ቀልጥፊ” ኢለ፡
ኣብ ትኅቲ ማዕተባይ ጭልግዕ ጠጥዕኺ ክጋደም ተኸዊለ፣
ካብዚ ግሩም መንክር መፍቀሪ ዚሓልየለይ---
ከይርእየኒ፡ እታ ኸዋሊት ሻሽኪ ዘርግሕለይ!
ንኹሎም ኣገልገልቱ ፈቲነዮም ባዕለይ፡
ንሳቶም’ሲ ጽኑዓት፡ ጥልመተይ ደኣ ተገልጸለይ፡
ንኣኡ እሙናት፡ ንኣይ ደኣ ረሓቑለይ፡
ብኸዳዕ ሓቅታቶም ተወፊዮም ንምትላለይ፡
ኃላፊ ነገር ከናዲ እኃልፍ ብቕልጣፈ፡
ኣብ ጐተና ፋጻ ንፋሳት ተለጢፈ።
እንተስ ሰጊረን ብዝግታ ንጉዕዞ ማይ፡
ካብቲ ደረት-ኣልቦ ግራት፡ ሕብሩ ሰማይ፡
እንተስ ተኾብኲበን ብነጐዳ፡
ምስ ሰረገላኡ ተላጊዐን ንሰማይ ኪኸዳ፡
ብበራሪ በርቂ ተገጪበን ከም ዕንክሊል እናዂደዳ
ምእንቲ ፍቕሪ ነጊሳ ፍርሒ ክትተርፍ ተኣጊዳ።
ብዘይህወኽ ስጉምቲ እግሪ እግረይ ዚኽተላ፡
ከይተረበሻ ኪስዕባኒ ዚውዕላ፡
ብርጉጽ ህሞት፥ ፍጥነትን ክብርን ከየጒደላ፡
ንእግሩ ቐዲሙ ኪስማዕ ዚኣቱ፡
ዲጒዲጒ ስጒምታቱ፣ መቓልሕ ቃላቱ---
“ንርእሱ’ዩ መጽለሊ ዚኸልእ።
እቲ ንኣይ መጽለሊ ዝኸልአ።”
ምስዓቡ ሓዲገ ምስ መረጽኩ ምኹብላል፡
ርኂቐ ካብ ገጽ ወዲ ወይ ገጽ ጓል፡
ገና ግን ኣብ ውሽጢ ናይ ነኣሽቱ ቆልዑት ብሌን ዓይኒ፡
ገለስ ኣሎ፡ ገለ መልሲ ዚህበኒ፡
ብርግጽ ንኣይ፡ ከምኡ ኾይኑ ይርድኣኒ፡
ናብኣቶም ብጣዕሳን ናፍቖትን “ተመለስ” ይመጻኒ፡
ግና እተን ነኣሽቱ ኣዒንቲ ካብ የዋህነት ናብ ፍትሒ ማዕበላ፡
ጀመራ ካብ ውሽጠን መልስታት ኬብቊላ፡
ብኢድ መልኣኸን ተጐሲሰን ካባይ እልይ ይብላ።
“እምበኣር ኣቱም ካልኦት ደቀይ፡ ብጽሒት---ፍጥረተይ፡
ንዑ ምሳይ ኲኑኒ ብህድኣት መጓዕዝተይ፡
ከናፍርና ብስዕመት ኪጋጠም፡
ኣብ ዙርያ ሕቚፎና ንጠማጠም፡
ብርሱን ፍትወት፡
ኣብቲ ብደገ ዜዕወንውን ጸጉሪ እኖ ፍጥረት ንስጠም።
ብእንግዶት፥
ኣብቲ ርሻና፡ ብጽሩይ ንፋስ ዝተነደቐ፡
ኣብ ትኅቲ መንበራ፡ ሰማያዊ፡ ዝደመቐ፡
ከምቲ ኣበር-ኣልቦ መገዳ ዝጸበቐ፡
"ፉት" ኢልና ክንምዑግ ካብ ጽዋኣ ዝተጸንቀቐ፡
ካብቲ ወጋሕታ ብርሃን ዚሰንጠቐ።”
ከምኡ ኸኣ ተገብረ፡
ምስኣቶም ብህድኣት ተጓዒዘ ኃቢረ---
ረኺበዮ መፋትሕ ምሥጢር ናይ ኩሉ ዝተፈጥረ፡
ቀልጢፈ ንምውጽኡ ፈሊጠ ከካብ ዝተቐብረ፡
ደመና ኣብ ገጽ ሰማያት ዚተዓቚረ፡
ብኸመይ ደይቡ ብኸመይ ከም ዝተቖጽረ፡
ካብቲ ዘየዕርፍ ባሕሪ ተገላቢጡ ዝዓፈረ፡
ናይ ኩሉ ዝተወልደ ወይ ሞይቱ ዝሰገረ፡
ኪድይብ ኪወርድ፡ ንስምዒታተይ ብጓሂ እናሕረረ፡
እንተደለየ ኸኣ ብሓጐስ እናሰራሰረ፡
እወ፡ ምስኦም ፈንጢዘ፡ ምስኦም ተኾምቲረ።
ፆረይ ይኸብደኒ ብለይቲ
ኣብሪሃቶም ነጸብራቖም ኬርእዩ ከዋኽብቲ፡
ኣብ ዙርያ ዚገሹ ጻድቃናት መወትቲ፡
እናሰሓቕኩ ኣብ ቅድሚ ናይ ወጋሕታ ኣዒንቲ፡
ታሕጓስን ኃዘንን ሰጊረ ምስ ኩሉ ወቕቲ፡
ኣነን ሰማይን ኃቢርና ነባዕቲ፡
ንብዓታስ ምቁር ነይሩ፡ ቀይረዮ ናብ ጨዋም ዓለቕቲ፡
ብዕራርቦ ፀሓያ ናብ ዝደመቐ ቀይሕ ህርመት ልባ፡
ህርመተይ ኣቕሪበ ንኽሰማምዓ ብቐረባ፡
ብስሙር ውህደት ሙቐተን ኪወሃሃባ፡
ኣይከኣልኩን ግና፡ በዚ’ቢለ፣ ንዕጋበት ክረኽባ።
ንኸንቱ ውሒዝ ንብዓተይ ምዕጒርቲ ሰማይ ዜተርከሰ፡
እንታይ ይገበር! ኣይተራዳዳእናን፡ ኣእዛንና ኸም ዚተዓብሰ፡
እንተ ኣነ ዝዛረቦ፡ ቃላት ምስ ደምጺ ሓዊሰ፡
ዘረባአን ግና፡ ብድምጺ ዘይኮነስ፡ ጸጥታ ምስ ነገሠ።
ተፈጥሮ፡ ከም መስኪን ሰይተ'ቦ፡ ንጽምአይ ነይተርውያ፡
ግደፉዋ ትወንነኒ እንተደልያ፡
ካብ ማዕዶ ተርእየኒ ሰማያዊ ኽዳና ከፊታ፡
ፍቕሪ ሓልዮት ኪፍልፍል ካብ ኣጥባታ፡
ፈውሲ ማሕላ’ኳ ንጣብ ጸባ ነይኃለፈታ፡
ንኣፈይ ክተርዊ ካብታ ጽምኣታ።
ቀሪበን ኪኅዛኒ ወጻኹ ንምስክላ፡
ከይተረበሻ ኪስዕባኒ ዚውዕላ፡
ብርጉጽ ህሞት፥ ፍጥነትን ክብርን ከየጒደላ፡
ንእግሩ ቐዲሙ ኪስማዕ ዚኣቱ፡
ዲጒዲጒ ስጉምታቱ፣ መቓልሕ ቃላቱ፡
“እነሆ! ብኣይ ዘይዓግብ፡ ብኻልእ ከቶ ነይዓግብ።”
ዕራቐይ ወጺአ፡ብፍቕርኻ ከተልዕለኒ እጽበ፡
ከተዝልቖ ንመቚሐይ በብቑሩብ፡ ኣብ ዓካሪቶይ ዝጸበበ፡
ሕበጠይ ኪዘልቕ እቲ ክሳዕ ብርከይ ዝደየበ፡
ዓቕመይ ተጸንቂቑ እነኹ ኢደይ ሂበ፡
ይመስለኒ፡ ተበራቢረ ድቃሰይ ጸጊበ፡
ቀስ ኢለ ክጥምት፡ ኩሉ ዝነበረኒ ተሸርበ።
ጥዑይ ኃይሊ-ንእስነተይ ብሃታሃታ፡
ነቕነቕኩዋ ንጊዜ ብዓንድታታ፡
ሕይወተይ ተወንዚፋ ውርደታ።
ኣብ ማእከል ኲምራ ደሮና ዕምርታተይ ቆይመ---፡
ዝተደወነ ምስሊ ንእስነተይ ትኂቱ ኪቕበር ኣጋዲመ።
መዋእለይ በኒኑ ከም ናይ ትኪ ግመ።
ምስለይ ኣብ ዚገላበጥ ማይ፥
ከም ዚዓልብ ጩራ ፀሓይ፡ ላህለሀ፡
እወ፡ ምሕላም ተሳኢኑዎ እቲ ሓላማይ ፈርሀ፡
ቅኒት ኣብዩዎ ወቓዕ ክራር’ውን ከይለኀ።
እኳ’ተን ዝጨብጨባለይ ፍሕሶ ባህግታት፡
ንምድሪ ኽዞራ ቋጺረየን ኣብዛ ምናት፡
ይዝርዘራ ተፈቲሐን፡ ከም ዝፈኾሰ ቅናት፡
ብዝተደማመረ ከቢድ ምድራዊ ኃዘናት፡
ኣየ! ብርግጽ ናይ ፍቕርኻ ኲናት።
ዘይሃስስ ሕብሪ ናይ በረኻ ቆጽሊ፡
ካልእ ዘይፃወር ብዘይካ ናቱ ብቚሊ፧
ኣየ! ብርግጽ--- ፡
መሃዝነቱ ዘየቋርጽ!--- ፡
ኣየ! ከም ዕንጨይቲ ዲየ ተሪረ፡
እተፍሕመኒ ኣብ ጉድጓድ መቃጸሊ፧
ኣብ ደሮና ተሰትዩ ናተይ ሓድሽ ኃይሊ፡
ልበይ መሲሉ ዚተዓብሰ ፈልፋሊ፡
ነቒጹ ዛራ ንብዓተይ፡ ኣቋሪጹ ጠሊ፡
ካብቲ ዚቖረረ ናይ ሓሳበይ ኣውሊ፡
ጨናፍር ኣእምሮይ ኃዘን መዋህለሊ፡
እንታይ ደኣ ይኃይሽ ንምሸቱ፧
ከርሲ ኃላፊት ዓለም ከምዚ ዝመረረስ፡
እንታይ ኪጥዕም ዘልዓለማዊ ቆርበቱ፧
ጊዜ ኣብ ደመና ዚስውሮ እንተ ትግምቱ፡
ኣብቲ ምእካል እዋን ኪነፍሕ መለኸቱ፡
ካብ ቦታ ግጥም ዘልዓለም ከቲቱ፡
ደመናታት ተዘሪጎም ካብ ቦታኦም ኪሰናበቱ፡
ብዋግዋጎ ዘይኮነስ ነጺሩ ምርኢቱ።
ንጸዋዒየይ ቀሪበ ከናዲ፡
ረኣኽዎ ተወንዚፉ ግዲ፡
ቀይሕ ነጸላ፡ ደፊኡ ኣሻዂ ዘውዲ፡
ፈሊጠዮ ስሙን ድምጹን፡ ብንጹር ዓዋዲ፡
ሕይወት ወይ ልቢ ሰብ’ዩ ፈራይ መኣዲ፡
155 ምህርቱ ኺእክብ ዘኺደሉ ዓውዲ፡
ካብ ዝወደቐ ሬሳ ጨናኡ በድባዲ፧
ናይ ነዊኅ ምጒያይ ተወዲኡ መገዲ፡
ይኣክል’ቲ ሰዓት፡ ጸብጻብ ቅድሚ ፍርዲ።
ከቢቡኒ ድምጺ ከም ዚጻፋዕ ባሕሪ፡
“ከመይ ዲዩ ረሲሑ እትረግጾ ምድሪ፡
ሽዋሕዋሕ ዚብል ብቐሊል ተሰባሪ፧
እነሆ፡ እቲ ካባይ ዚሃድም፡
ኩሉ ነገር ካብኡ ይሃድም!
መገረሚ፡ መሕዘኒ፡ መዋረዲ ዝኾንካ ፍጥረት!
ምፍቃረይ ዚኽልክለካ ምኽንያት
ኣብ ምንታይ ይምሥረት፧
ንኣይ ከይረኣኻስ ኣበይ ክትረክብ መቐረት” በለ፣
“ፍቕሪ ወዲ ሰብ ትቐርብ ናብ ዝደረኻ፡
ከመይ ኢላ ደኣ ቀሪባ ናብ ጥቓኻ---
ጭቃ ብጭቃኡ እቲ ዝረስሐ ክነስኻ፧
እንታይ’ሞ ኣበይ ትፈልጦ ንስኻ!
ንቑንጣሮ ፍቕሪ’ኳ ዘይትበቅዕ ከለኻ፡
ዝተዋረድካ ፍጡር! መን ከፍቅር ነኣኻ፡
ሓደ’ኳ የልቦን፡ እንትርፎ ኣነ!፧
ኩሉ ካብ ኢድካ ዘግደፍኩኻ ዘበለ፡
ኣይንምጒዳእካን፡ ካብ ሓልዮት ደኣ ዝነቐለ፡
ካብ ኢደይ ክትደልዮ፡ ክብለካ "እነሃለ!”
ውሉደይ ሽሕ እንተተጋገየ እንተጒደለ፡
ኣየጥፋእኩሉን፡ ናቱስ ናቱ፡ ንኻልእ ነይተዓደለ፡
ኃዘኒ ብኢደይ ብቐስታ ምሳይ ተሳለ”፡
ዲጒዲጒ ስጉምታቱ ኣቋሪጹ
ኣብ ቅድመይ ተገተረ፡ ንምዃኑ እቲ ናተይ ኃዘን፡
ከም ጽላሎት ኣጻብዑ’ኮ’ዩ ዝዘርግሐለይ ንኽኅዘን፧
“ኣየ! ፍትወይ፡ ኃይልኻ ዝደኸመ፡ ዓይንኻ ዝዖረ፡”