ኣሚተ
ዕዮኡ ዚውጥን
ልሳኑ ዚምጥን
ምስ ዘመን ዚሥልጥን
ብመቚሕ ሰያጥን
ከይምልብስ ከይቀጥን
ኲራኡ ዚጥንጥን
ንምሕረት ዚፈጥን
ዶ'ኾን ኣይትፈልጥን፧
ካብ ፋሕፋሕ ዚጥርንፍ
ርትዒ ዘየዛንፍ
ብጸልማት ዘይሰንፍ
ያኢ ጓሳ 'ንተ'ዜጓንፍ
ማሉ ከይደሃላ
ዚኽልክል ኣፍ ተዂላ
ዜውጽእ ካብ ታኼላ
ኣብ ሸኻ ኣብ ማይዔላ
ዓጊበን ምሰ'ጽለላ
ዘርጊሑ ነጸላ
ምሳሑ ዚካፈላ
ሃንዛ ምስ ወለላ
. . . እስከ ሃሰስ በላ
ካብ ፍርሒ ዜማስን
ካብ ቆይቊን ካብ ባእስን
ካብ ሴፍን ካብ ተዂስን
ካብ ትኒዕን ወስን
ብበትርን ምርኲስን
ጽድቂ ዜሰስን
ነፍሲ ዜቕስን
ዕድልና ዚውስን
ናይ ህድኣት መስፍን
ርግኣት ወሰናስን
ኮን ጊዜ'ይምለስን፧
ካብ ናይ ኣባይ ዕርዲ
ዚዝራእ መርዓዲ
ዘይገብረሉ ግዲ
ብሓቀይና ፍርዲ
ኣብ ለሰ ሮማዲ
ዚሠርዕ መኣዲ
መን'ዩ . . .
እንተስ ብደላሎ
እንተስ ብድህሎ
እንተስ ብድህላሎ
ደልዲሉ ካብ ዚዳሎ
ተመን ዘይተበከለ
ብልሕጺ ዘይተዳህለ
ካብ ዚመስልዎ ዕስለ
ብፍሪኡ ዚልለ
ብሩኽ'ስከ ንድለ
ኣይፍለጥን ገለ
እንተተቐልቀለ
መን'ዩ . . .
ካብ ምፍሓም 'ፋሕፋሕ!'
ፍርሒ ካብ ምስፍሕፋሕ
ዚሓሸ ከይሕምሸሽ
ክንድ'ሽሕ ከይሕሸሽ
መን'ዩ፧ መኒኑ፡
ማና ዜዝንም. . .
መን'ዩ . . .
መለለይኡ 'ሜላ'
ዚዕልም ንምልምላም
ብዘየማትእ ዜማ-ምኡዝ
መኣዝን ዚእዝዝ
መን'ዩ . . .
ድጓና ጉድጓድ ግዳይ
ወጊዱ ኣጋዳይ
ዘይልሕልሕ፡ ዘይሕለል፡
መን'ዩ፧ ሓላይ፡ ሓላል፡
መን'ዩ . . .
ዜብጽሕ ናብ ጽባሕ
ሕጹብ፡ ሕጹይ፡ ብጻይ
መን'ዩ . . .
ሰርቢ ምስባር ብርሰትን
ብስርውናን ዜበስር!
ሰናዲዩ ስደት፡ ስድነት፡
ሰቲ ስኒት ሰናዳይ።