ኩርናዕ ሥነ ጥበብ



ጸልማት ለይቲ

ትርጉም፡ ዳርክ ናይት፣ ቅ. ዮሃንስ ዘመስቀል


ኣሚተ


ብለይቲ ኸውታ፡
ተቓጺለ ብናፍቖት ፍቕሪ ሃልሃልታ፡
ነፍሰይ ከመይ ዝበለ'ዩ ትዕድልታ፡
ተጓዒዛ ብልዑል ሰላሕታ፡
ብዓብይ ህድኣት ካብ መዕረፊ ቤታ
ካብ መዕረፊት ቤተይ ምሽእቲ እዋን ክጽበ፡
ብጸልማት ደኃን ምዃነይ ተዓዚበ፡
ብምሥጢራዊት መሳልል ብፍሕሶ ደሪበ፡
ተኸዊለ ጸልማት ተጐልቢበ፡
ብዕድል’ዛ ነፍሰይ ኣነስ ዓጊበ።

በታ እተዓደለት ሕጉስቲ ለይቲ፡
ሓደ’ኳ ሰዓቢ ዘይብለይ ጠማቲ፡
ብዘይ ሓባሪ ብዘይ ኣመልካቲ፡
እንትርፎ ልበይ ምሉእ ቀንዴል ዘይቲ፡
ኣብ ውሽጠይ ዚቃጸል ከም ዕንጨይቲ።

ብርግጽ ብርሃነይ ንመገደይ ሓባሪ፡
ዝደመቐ ካብ ብርሃን ቀትሪ፡
ናብታ መጻብዮና ምስ ናይ በይነይ ኣፍቃሪ፡
ክልቴና እንፈልጣ ስትርቲ ቐጽሪ፡
ካልኦት ከይኣትዉና ዘይብላ መስገሪ።

ኦ’ተፈታዊት መራሒተይ ለይቲ፡
ስጒምታተይ ትሕልዊ በብሓንቲ፡
ካብ ብርሃን ወጋሕታ ዝያዳ ኅርይቲ፡
ንዝጽበዩኺ ፍቑራት ብትዕግሥቲ፡
ፈታዊ ናብ ዝፈትዎ ትልውጢ ሓደስቲ፡
ኣጥባተይ ብዕምባባ ተሰሊመን፡
ብዘይካ ነኣኡ ንኻልእ ተሓሪመን፡
ኪድቅሰለን ኪሓቑፈን ኪስዕመን፡
ኣእዳወይ ንኣካላቱ ኪድህስሳ ሰጒመን፡
ኣብ ትኅቲ ሰሰው ዚብል ጽሕዲ ተጋዲመን።

ግምቢ ርሻን ክትልእከልና ንፋ፡
ኣጻብዐይ ጸጒሩ እናዳህሰሳ፡
ብልዙብ ወስታ ኣእዳው ወተገይ ኬረምስሳ፡
ስምዒታተይ ተሳኢኑወን ኪርእያ ኪሰምዓ ኪድህስሳ፡
መኣዛ ከሽትታ መቐረት ኪልሕሳ፡
ሃለዋተይ ኣጥፊአ ተሳዒረ፡
ግምባረይ ኣብ ደረት ፍቁረይ ቀቢረ፡
ዋኒነይ ጠንጢነ ሓልዮተይ ኣድኂረ፡
ኣብ መወዳእታ ነፍሰይ ነጻ ገይረ፡
ብቕሳነት ኣብቲ ለሰ ዕምባባታት ኣንገርጊረ።