ኩርናዕ ሥነ ጥበብ



ኣሰሮም


ኣሚተ


ኣሰሮም ኣብ ጸልማት
'ዞም ደቀይ ጥዑማት
ናይ ህዝቦም ስልማት
ኮይኖም ከም ዘኽታማት
ምስ ሓይሎም ድኹማት
ምስ ልሳኖም በሃማት
ኣብ ዳሶም ዕዱማት
ስኢኖም ምግማት
ቋሕ ኢልካ ምጥማት
መጻኢኦም ምእማት
ምርኣይ ካብ ምዕማት
ሓጋይ ካብ ክራማት
እሙናት ካብ ጠላማት
ምንባር ካብ ሙማት

ዕሸላተይ ዘይጎርሑ
ብመን ይመርሑ
ከብዶም ብጥራሑ
ልቦም ተመሊሑ
ረሃጾም ተቐዲሑ
መሮር ብሰፊሑ
እሾኽ ብበሊሑ
ኣውያት ተቓሊሑ
ኣሰሮም ብደም ቀይሑ
'ታይ ዘመኑ በጺሑ
'ታይ መርዙ ተነዚሑ
ፋሕ ጭንግራሕ በዚሑ
ጋኔን'ዶ ተፈቲሑ
ሰቢሩ መቑሑ?

ኣሰሮም ኣብ ሑጻ
ብህቦብላ ፋጻ
እናተናወጻ
ተስፋ ኸይቆረጻ
ካብ ዚወርድ ዓመጻ
ካብ ዚውርወር ፍላጻ
ኣኣጋር ደቀይ ብናጻ
ክኣትዋ ክወጻ
ሃዲአን ኪረግጻ
ድልየተን ኪመርጻ
ሓርነት ኪሃንጻ
ብውሕልነት ኪቐርጻ
ከይዓንበበት ነቒጻ
ርኢና ከይንቐብጻ

ኣሰር ወደይ ኣብ ቆጽሊ
ዕሸል: እግሪ ተኽሊ
ካብ ዋዒ መቃጸሊ
ካብ ዚኽርድድ ዛሕሊ
ቅሉዕ ብዘይ ከውሊ
ኮይኑ ከም ኮብላሊ
እሙን ኣገልጋሊ
ወለዱ መልዓሊ
ንደቁ ዓንጋሊ
ዚውዕል ኣብ ሸቕሊ
ሓሪሙዎ መጽለሊ
ኮይኑ ከም ኮብላሊ
ፋሉል ብዘይ ባህሊ
ልኡኽ ብዘይ ዉዕሊ
መን'ዩ ዚሓሊ: ዚኣሊ
ዓገብ በሃሊ ንበዳሊ

ኣሰሮም ኣብ ማያት
'ዞም ደቀይ ዉፉያት
ኣብ ርሑቕ ቀላያት
ምስ ዓረቦም ንያት
ጻውዒት ዘራያት
ናይ ርድኡና ኣውያት
ናይ ጠፋእና ብኽያት
በጺሑ ሰማያት
ኪምለስ ጽግያት
ንርኣይ'ዚ ቕንያት
ናይ ልብና መስትያት
ኣይንኹን ህኩያት
ነወግድ ፍልልያት
ኣይነብዝሕ ምኽንያት