ኣሚተ
"ጎተት!" ንምውራድ
ክስኽትት በራድ
ናናሳዕ ጒያ
ክሳዕ መኣስ'ያ
ዑደት እዛ ናብራ
ከደት ከም ዛግራ
ምኽኒት ከወግድ
ስኒት ከአንግድ
'ተኾልፈ ሕልሚ
ዝነጸፈ ዓጽሚ
ዝተኸስረ እዋን
በስ ብምዕውንዋን
ብጻዕሪ'ብል ኳሕ
ኣብ ምድሪ ኲርኳሕ
ተጎልቢበ'ብዓራት
ደይበ ኣራራት
ሠጊረ ግመ
ወርሒ ስዒመ
ጋህዲ ሓሊመ
ታቦር ጥዒመ
ብደርማስ ኣኽናፍ
ንኣድማስ ኣጽናፍ
ዓቕመይ ኪሕደስ
ድኻም ኪፍደስ
ንምረት ክኃልፋ
ብስርየት ተስፋ
ልበይ ክሃርፋ
ሕቚፊ ሓንጎፋ
ቀለም'ዛ ምድሪ
ሓመዳዊ ሕብሪ
መቓብር መንደቕ
ምፍናው ነፍሲ
ሰማያዊ ሕብሪ
ውቅያኖስ ፍቕሪ
ናይ ስየ ሰንደቕ
መሰል ወራሲ
ደረት'ዛ ምድሪ
ብድኻም ጻዕሪ
ኣርባዕተ መንደቕ
ምስ ሓንቲ ናሕሲ
ደረት ነባሪ
'ታ ጸባብ በሪ
እንተዚጽደቕ
ብምሕረት ነፍሲ
ዘልኣለም ክብሪ
ኣዕናቚ ምስ ሃሪ
መዝሙር ይንድቕደቕ
መዝገብ ወራሲ
'ዚኣ ክሓሪ
ፍቐድ ፈጣሪ
ሻቡ ክንጠቕ
ሃበኒ ፈውሲ!