ኩርናዕ ሥነ ጥበብ



ሕውየት ሜዳ


ኣሚተ


ነቲ ዘይረግጽ ሓሰኻ
"ሴፍካ'ልዕል ተራኻ!"
ዚብል ኣዋጅ በረኻ
ዘይፈትሕ ማሕለኻ

ናብ ጎልጎል መጋጠሚ
መሳበሪ ዓጽሚ
ንያቱ ጸልማት ጋህሚ
ጒዕዞ "ይኃይሽ ዓሚ!"

"ኃይሊ'ዩ ኣማራጺ"
እናበለ ዚፋጺ
ናይ ኣውያት ድምጺ
ናይ ሂምታ ነውጺ

ብናይ ኃይሊ ሚዛን
ብዘራይን መሓዛን
ራዕዲ ብምኽዛን
ንሰላም ኣይሕዛን!

ሽምስ ወሲዳታ
መን ኣላይ ጸወታ፧
ኣበይ'ከ ደረታ፧
ናይ ጊዜ ንውሓታ፧

ብጥበብ ብትብዓት
ምስ ደርበየት መዓት
ኣብ ዝባን ውጹዓት
ዝሓበጠ መንድዓት

ዘፋነወት ንቒምታ
ፈውሲ ንመጒዳእታ
ናይ ዕላማ ዓወታ
ኣቤሎ ሽልማታ፧

ዕግርግር ብምፍጣን
ንሓቂ ብምቕጣን
ጽምኢ ምልኪ ሥልጣን
ዘይበንን ዕጣን።
. . . . . . . . . . . .
ኪምለስ'ቲ ሕቶ
ብመጎተ ኣብ ባይቶ
ንሕሰም ኪምክቶ
ናይ ድኅረት ድርዕቶ

ኪዳኑ'ይንግፈፎ
ንህቢ ብዘይ ቆፎ
ሕንዙ'ዩ ዜርግፎ
ንዝተጓነፎ

ሱር ጌጋ ብምስታር
ተንኮል ካብ ምፍሕታር
ብቐጠንቲ ኣብታር
ዋንጫ ርትዒ ምዕታር

ዝርካብና ንዋት
ንመጣፍኢ'ኅዋት!
ምድሪ ምስ ዕጽዋት
ይኣክል ምጽዋት

ብምኽኒት ብሰበብ
ልብና ኣይጽበብ
ሓቂ ኣይጎልበብ
ሽሻይና ኪርበብ
. . . . . . . . . . .
ግጥም ብዙኅ ዓይነት
ከም ናይ ማርያም መቐነት
ደረት ዓቕሚ ሰብነት
ፍርዲ ጽሩይ ፍጥነት

መጋጠሚ ሜዳ
ብዘይ ናይ ደም ዕዳ
መዋህለሊ ናእዳ
መካፈሊ ማዕዳ

ብዘይ ኣያ'በያ
ኣብ ጥጡሕ ጽርግያ
ከም ብርክኻ ጉያ
ዝዋሕለለ ሞያ

ብዝላ ብስጒሚ
ብሕልኮ ብሸኽሚ
ብስልቲ ብትልሚ
ዘየተሓማሚ

ዓቕሚ ሳንቡእ፣ ልቢ
ብጻዕሩ ዜዕቢ
ናይ ስራሑ ዓስቢ
ዜድኅን ካብ ናዕቢ

ናይ ጸወታ መኽዘን
ምሉእ በብደርዘን
መረስዒ ሓዘን
ቊዝማን ትካዘን

ኣብ ግጥም ዝተረትዐ
ሓረቐ ተቘጥዐ
ኪሽለም ዝተሠርዐ
ብሓጎስ ነብዐ

ሕውየት ብምቕዳም
ንዘመነ-ጒዳም
ዚድርቢ ንግዳም
ልደት ሓድሽ ኣዳም!