ኩርናዕ ሥነ ጥበብ



ሞራል መቖም ስብእነተይ


ኣሚተ


ውርውራ ሰንኰፍ ወቕቲ
ምንጪ ዓመጽ መግሓጥ ሃብቲ
መጻይ ደም ሕማቕ ትዕድልቲ
'ታ ድላየይ ንኸይገብር
ኅልናይ'ውን ንኸይቀብር
ምጡን ዓቐን ብምስጓም
ዚሕዘኒ ጽኑዕ ልጓም
ሞራለይ'ዩ መጥመር ማእሰር
መልክዕ ፍጥረት ናይ ሰብ ኣሰር።

ሰንኰፍ እዋን ተበላለጽ
ንምስራቕ ኩሊት ሰብ ኪፍለጽ
ኣቈናጂኻ ኪግለጽ
ግቡአይ ንዮ ብምድርባይ
ወጊአ ብቐርኒ ጎባይ
ናብ "ሓርነት" ክመጣጠር
ወዲቐ ከይብል "ፈንጠር"
መቘሚ ቅኑዕ መፈጠር
ሞራል'ዩ እሙን ዘይጥርጠር

ሰንኰፍ እዋን ውርደት ኣዳም
መሲሉ እንስሳ ዘገዳም
ሩሕ ንምሕባእ ምቅድዳም
ምልክት ደረጃ ድኅረት
ክብረይ፡ ግኡዝ ዋኒን ንብረት
ተሓሲባ ከይተቘጽረት
ኣብ ናይ ሓርነት መገዲ
ናይ ሰብኣውነት መኣዲ
ሞራለይ'ያ መጻምዲ።

የማን ጸጋም እሾኽ ዓጋም
ከባብየይ ብምግምጋም
ኣብ ጽምዋ ካብ ምርጋም
እተራኽብ ምስ መለኮት
ሞራል'ያ ውሽጣዊት መስኮት
መኣዝነይ እትቕልስ
ካብ ስሕተተይ እትመልስ
ብዘይ ብኣ ጉዕዞይ ናበይ፧
ካብ ሰብ ምሕሳር ምዃን ህበይ!

ምንባር ሓንሳእ ዕድመ ሓጻር
እናበልኩ ካብ ምንጽርጻር
መድኅን ሕይወት መስቀል ምጻር
ምህሮ ሥነ-ዓብላልነት
ጠንቂ ናይ ሞራል ድኽነት
ተጠሊዑ ከም ዚነግሮ
ሕንጸት ሕግታት ተፈጥሮ
ብፈጣሪ ከይተሓሰበ
ብዕድል ነይተላገበ!

ሠናይ ፍትሒ ሰላም ፍቕሪ
ንሰብ ዜላግብ ምስ ፈጣሪ
ሠንሰለታዊ መጥመሪ
ብእምነት፡ ብኣመኽንዮ
ነቲ ብጋህዲ ዝርእዮ
ዕጹብ ድንቂ ፍጹም ዕዮ
መግለጺ መንፈስ ፈጣሪ
ንፍጡር ሓቂ መምሃሪ
ከም ሰብ ዝኾነሉ ግብሪ።

ኣብ ናይ ምድረበዳ ጒዕዞ
'ታይ ገዲፈ 'ታይ ክሕዞ
ኔናይ ጎይታ ክእዘዞ፧
ንሞራል ከም ከቢድ ሸኽሚ
ንኸይቈጽራ ድኅሪ ሎሚ
ንዕንወት ዚጽዕር ሕልሚ
ዝከላኸለሉ ዋልታ
ናይ ሓርነተይ መሰታ
ሞራለይ'ያ ናተይ ቦታ።