ኩርናዕ ሥነ ጥበብ



ሽግ ተስፋ


ኣሚተ


ዘዝወረደ ኣደራዕ
በብዓዱ እንኪሥራዕ
ኣጻብዕና ቋዕ ቆራዕራዕ
ኣብራኽና ብራዕዲ ራዕራዕ
ኣታ ንመን'ዩ ዚጥራዕ፧
ኣዴታት'የን ሽግ ተስፋ
ናይ ምድሪ ክሳዕ ኣጽናፋ

ሥቓይ ምሒር 'ተገደደ
ክብረት ሰብ 'ተተኣገደ
ምህሮ ታሪኽ 'ተተወገደ
ጾር ሕሰም ዘዝኸበደ
ኣብ ዝባንና 'ተተኣንገደ
ኣዴታት'የን ሽግ ተስፋ
ንምምጻእ ሰላም ዘየዕርፋ

ክቡር ሕይወት ኣብ ማሕጸን
እናጾራ ተረጊጸን
ብዙኅ ጽዒረን ርሂጸን
ብፍርሒ ተደናጊጸን
ብጓሂ ከዲነን ገጸን
ኣዴታት'የን ሽግ ተስፋ
ኣብ ምጽራይ ጽያፍ ዚስለፋ

ናይ ኣቦታት ዝወደቑ
ሰብኡተን 'ቶም ዝሓቐቑ
ደቀና 'ቶም ዘይሓንቀቑ
ኣኅዋትና ማይ ዝጠለቑ
መሓዙት ደም ዝጸንቀቑ
ኣዴታት'የን ሽግ ተስፋ
ብልበን "ምሕረት" ዚጽሕፋ

ነዛ ዓለም ዝጸምለወት
ብቒም ቅንኢ ዝዓነወት
ዳግም ንምጥያስ ሕይወት
ንኡስ ኪመሃር ኪጻወት
ብዘይ ብአን የልቦን ዓወት
ኣዴታት'የን ሽግ ተስፋ
ሕነ በቐል ዜሰንፋ

'ተወደቕና ሾብዓተ ሳዕ
ተደጋጊፍካ ምትንሣእ
መሪር ምውሓጥ ምቁር ምጒሳዕ
ዘርኣያ ኢድ ሰላም ምንሳእ
ጸጽቡቑ ዘይምርሳዕ
ኣዴታት'የን ሽግ ተስፋ
ዚነግራ ጸልማት ምሕላፋ

በዚ ሰፍ ዘይብል ጽዕነት
ውሽጠን ብጓሂ 'ናሓዘነት
ዘይቲ ቀንዴል ሰብኣውነት
ናይ ጽባሕ ተስፋ ውሕስነት
ሽግና ዜብርሃ ብኡነት
ኣዴታት'የን!
ኣዴታት'የን።