ኩርናዕ ሥነ ጥበብ



ምብጻሕ


ኣሚተ


ምብጻሕ ምብሳር'ዩ ብልኡኽ ጎይታ
ምብጻሕ ምኽባር'ዩ ቅዱስ ቦታ

ገብርኤል በጽሓ ነታ ጎርዞ ድንግል
ሓጢኣት ዘይተንከፋ ጸጋኣ ዘይጎድል
ፈጣሪ ክትወልድ 'ቲ'ድኅነት ዚዕድል
ንሰማይን ምድርን ክተራኽብ ድንድል
ብሕራያ ኪወሃብ ናይ ድኅነት ዕድል

ምብጻሕ ምግራም'ዩ ብዜስተንክር ዛንታ
ምብጻሕ ምልጋስ'ዩ ብምልኣት ለቖታ

ተሳእና መሕረስቲ ሾብዓተ ዓለልቲ
ብመዝሙር ናይ ሰማይ፡ ድምጺ መላእኽቲ
ዚስነ ብሳዕስዒት ጭፍራ ከዋኽብቲ
ርእዮም ዜንከሩ ገርሃውያን ሓለውቲ
ንማርያም በጽሕዋ ኣብ ቆራሪ በዓቲ

ምብጻሕ ምህዳም'ዩ ብለይቲ ኸውታ
ምብጻሕ ምድናቕ'ዩ፡ ናይ ታሪኽ ጸብለልታ

ንዓባይ የሩሳሌም ኣመና ብምሕራቕ
ብኽቡር ህያብ ምስ ሥግደት ንምምራቕ
ዙፋኑ መብልዕ ሓሰር፡ ካባ ጨርቁ ዕራቕ
ብሓባሪ ኮኾብ፡ ቀላሲ ነጸብራቕ
ንማርያም በጽሑዋ ሰብ ጥበብ ካብ ምብራቕ

ምብጻሕ ምሕጓስ'ዩ ብኽቱር ብርቱዕ ደስታ
ምብጻሕ ምንፋቕ'ዩ፡ ምባል ማራናታ

ብታሕጓስ ተፈንጪሑ እቲ ንጹሕ ልባ
ዮሴፍ እናላህልሀ ጎይዩ ዘየርከባ
በረኽቲ ደይባ፡ ተሳጊራ ርባ
ልኡኻት ድኅነት ሰባት ኪቕርባ
ማርያም ምስ ኤልሳቤጥ እኖታት ተራኸባ
እወ፡ ማኅደራት ማይን ደምን ተራኸባ

ምብጻሕ ምእላይ ኢዩ፡ ምድላይ ሩፍታ
ምብጻሕ ምንዳይ'ዩ ነዛ መኸወልታ

ሕይወት ሕቋፍ ዕሸላ ኪቛጺ
ብሰብ ሴፍ ሄሮዱስ ምስ ተላዕለ ነውጺ
ማርያም ተሓቢኣ በጽሐት ምድሪ ግብጺ
ዘይናይ ፈርዖንን ሄሮዱስን ጨካን ላግጺ
ቀደሙስ መኣስ ምድሪ ኮይኑ'ቲ ዓማጺ

ምብጻሕ ምጽናዕ'ዩ ብምስዳድ ቖላሕታ
ምብጻሕ ምፍቃር'ያ፡ ዘይትደሊ ናታ

ብፍቓድ ኣቦኡ ዝተዋህቦ ዕዮ
እዋን ምስታይ ጽዋእ ኣኺሉ'ንዶ ወዮ
ተጎልቢብና ነዛ ገጹ ኸይንርእዮ
ብቖላሕታ ጽንዓት ንኽተሰንዮ
ማርያም በጺሓቶ ኣብ ጉዕዞ ቀራንዮ

ምብጻሕ ምጽጋን'ዩ ካብ ዝተሰብረታ
ምብጻሕ ምሕጻብ'ዩ ብማይ መንጫዕጫዕታ

ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ምስ ተሰቕለ
"ኣደኻ እንሀት ወድኺ እነሃለ"
ጎድኑ ተወጊኡ ማይ ደም ምስ ፈልፈለ
ኪጽግን ንኺዳን ፍንጫሕ-መሰንገለ
ንኣዳም በጽሖ ስጋኡ ምስ ዘሓለ

ምብጻሕ ምስጋር'ዩ፡ ምርኃው ማዕጾ ዊንታ
ምብጻሕ ምብዓል'ዩ ብሃሌ ሃሌታ

ምድሪ ረጊጻ ብደመና ኃሊፋ
ድሙቕ ክዳን ብርሃን፡ ፀሓይ ተወንዚፋ
ንግሥቲ ናይ ሰላም ኣብ ሰማይ ኣዕሪፋ
መርዓዊ ኪቕበላ 'ናበለ ሓንጎፋ
ንኼዕብያ፡ ኪመልስ ገይሩ ዓጸፋ

ምብጻሕ ምምላስ'ዩ ናብ ዝኽሪ ናብ ያታ
ምብጻሕ ምስዓም'ዩ ብሰሓቕ ፍሽኽታ

ደኒና ክትጫዂር ወፊራ'ብ ግራታ
ተሸፊና ቆጽሊ ምስ ቅናት ለቖታ
ኣደይ ማርያም ነደይ ሔዋን በጽሐታ
ብዓልቲ ደርዘን ኮኾብ ቁኖኣ ሳርዴታ
ዘመን-ሰገር ናይ ብጽዕነት ሰላምታ

ምብጻሕ ምስሳን'ዩ፡ ምዃን ከም ሽሕ ዋልታ
ምብጻሕ ምጽራግ'ዩ፡ ጥጡሕ ምግባር ባይታ

ገና'ውን ትመላለስ ናብዛ ሓጥእ ምድሪ
ሕጂ'ውን ክትብላ "ዝበለኪ ግበሪ፡
ቋሕ በሊ ጠምቲ፡ ምስ ዓይንኺ ኣይትዕሪ
ኣባኺ ዚወሓዘ 'ቲ'ንጹሕ ደም ፍቕሪ
ከይተሓጸብክሉ ንኸንቱ ከይዛሪ!"

ምብጻሕ ምድያብ'ዩ ናይ ያዕቆብ ኮረብታ
ምብጻሕ ምብራኽ'ዩ ምብኣስ ንዝምታ

ንምንታይ ኢያ ነፍሰይ ትጒሂ ትበኪ
ማርያም ብጽሕኒ ከይበነንኩ ከም ትኪ
ሓራ ኣውጽእኒ ካብ ናይ ጸልማት ምልኪ
ተራይ በጺሑኒ "ብጽዕቲ" ክብለኪ
ብትሑት ድኑን ርእሲ ምስ ዕጹፍ ብርኪ

ምብጻሕ ምምካር'ዩ፡ ምሃብ ነቐፌታ
ምብጻሕ ምዕራፍ'ዩ፡ ኣብቲ መወዳእታ

ካባኺ ዚፈልየኒ ኃይሊ ንኺእሰር
ጒንዲ ዓይነይ ጸርዩ፡ ንኸጽሪ በሰር
ማርያመይ ብጽሕኒ፡ ሰላመይ ኪብሰር
ቤተይ ኪሕተሞ እቲ ናትኪ ኣሰር
ልበይ በሪሁ ብሓጎስ ክሰራሰር

ምብጻሕ ምፍጻም'ዩ መስዋዕቲ ጎልጎታ
ምብጻሕ ምልባው'ዩ፡ ሕድሪ ንምሸታ

ማርያም ብጽሕኒ፡ ንዒ ኩኒ ምሳይ
ምስ ሕያዋይ ወድኺ፡ እቲ እሙን ጓሳይ
ኣደን ወድን ክልተ፡ ኣነ ዝሣልሳይ
ክሕጸብ፡ ክነጽሕ ካብ ኩሉ ኣበሳይ
ሕያው ድራር ጻሕሉ ስጋደም ንምቑሳይ!