ኩርናዕ ሥነ ጥበብ



ንመን ንእመን


ኣሚተ


ምምንዛዕ
ናይ ኣራዊት
እያ መዕነዊት

ዶብ ምስፍሕፋሕ
ከም ሮማዲ
ናይ ሰብ ዘውዲ

ከንቱ ምውፋር
ብዘይ ጓሳ
ሥርዓት ዴሳ

ኣቦ ሓሶት
ትልሙ ኅቡእ
ባዕሉ ቅቡእ

መን ካብዚኦም
ቅኑዕ ፈረደ፧
ኲሎም ሓደ

እዋን ዓለም
እያ ጎደሎ
"ኅልፍ" ተሎ

ኪኾነልና
ሠናይ ዘመን
ንመን ንእመን፧

ዘየናብር
እዋን ፋሕፋሕ
ከብዲ ምግፋሕ

ንግሆ ምንቃሕ
ምድጋም ዳዊት
ሰላማዊት

ምድግጋፍ
ናይ ሰብ ነዊት
ምፍራይ ሰዊት

'ቲ ዜገልግል
ኪቀዳደም
ኣየፍስስ ደም

ዕድል ንሀብ
ንፍትሒ ሰላም
ኬብቅዕ ጸላም

እንኮ ፍታሕ
መዋጽኦ
"ተራድኦ"