ኣሚተ
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል. . .
ንየው ንብዓት ይውህለል
ነጀው ግን ይዕለል
ሽማግለ ጎብለል
ንድንቊር ንጽለል
ኣብራኽና ይሕለል
ንለውጢ ንምህለል
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል. . .
ንጉሥ'ዶ ኣንበሳ
ርእሰ-ማል'ዶ ዴሳ
ኦም ገነት'ዶ ዓሳ
በደል'ዶ ኣበሳ
ናይ ቆሎ መለሳ
ጥጥቖ ይሕፈሳ
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል. . .
ንትማል ክንፋኖ
ማዕጺድ መለኪኖ
ንዴሳ ክንብል "ኖ"
ንሓፋሽ "ይኾኖ"
ብዘይ ኣስተንትኖ
ናብ ሓድሽ ዕዋኖ
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል. . .
ናብ ማል ክነተኲር
ወልፍና ዜሸኲር
ኣእዛንና ይብል "ኲር"
ከም ፍትሕቲ ኲርኲር
ከንቱነት ንሓኲር
ደገፍና ነብኲር
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል. . .
ሜላ ብዘይ ሞሳ
ሬሳ ብዘይ ካሕሳ
ሰላም ተጣሒሳ
ከይኮነና ጣዕሳ
'ታ ብዓል ካሮሳ
ምለሳ ምለሳ!
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል. . .
ነዊሕ ጒዕዞ ምረት
ንሞት ወይ ንስረት
ቅኒታ ዘውፈረት
ሻምብቆ ዘመረት
ንጎይታኣ'ስመረት
ብጸጋ ተሰፍረት
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል . . .
ብትብዓት ብድፍረት
ኣፍልባ ገተረት
ብወንጭፍ ብዂረት
ጎልያድ ዘባህረረት
ኢድ ንጉሥ ሠዓረት
ርሻን 'ተሳፈረት
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል. . .
ብናይ ብላዕ መቐረት
ቅናት ተወጠረት
ኅልና ተኣስረት
ሓቂ ተባረረት
ልቢ'ውን ሓረረት
ሓድሽ ምዕራፍ ዑረት
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል. . .
ታ'ዓለም ምስ ዞረት
ንጉሥ ስግረ-ደረት
ብሻምብቆ ብረት
ሓሶት ብዘይ ሕፍረት
ናይ ብዕሉጋት ኅብረት
ከውርደልና ምሕረት!
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል. . .
ኣደይ በርቂ-ዒላ
ካብ ክልተ ነጸላ
ብተወርዋሪ ሽላ
ሓንቲ ተመንጢላ
እዚ ከይኣኽላ
ተሰምያ ጒሒላ
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል. . .
ሳንዳይ ወርቂ-ዒላ
ዝባን ኃብታ'ዝሒላ
ካብ ክልተ ነጸላ
ዓሠርተ ኣፍቲላ
ቆጽላይ ኣሽዓላ
ድሙቕ ሃሳስ ሊላ
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል. . .
ካብ ናይ ማዕጺድ በርቂ
ክሳዕ ዕርበት ወርቂ
ብኸውሊ ትመልቊ
ትሕስዊ ትሰርቂ
"ቋሕቂምቋሕ፡ ቂምቋሕቂ፡"
ስኢነኪ ሓቂ!
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል. . .
ካበ'ንበሳ ግርማ
ንትዕግሥቲ ገዝማ
ብጉሳዕ ዋዜማ. . . /
ብዘይ ሻማሻማ. ./ 2
ካብ ንጉሥ በትሪ ጋማ
ስጡም ከም ማእለማ
ሰዓት፡ ቀስታ ኮለል
እግራ ሰለል ሰለል. . .
ካብ ህላ ካብ ዝላ
ናህር'ንተጎዲላ
ህድኣት'ንተትኪላ
"ኣለኒ ነጸላ
'ዚኣስ ንማቐላ"
ምስጢራ'ሎ'ብጃላ!