ብዕለት 3 ጥቅምቲ 2013: መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ 366 ስደተይናታት: ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱዛ፡ ኢጣልያ ጥሒሎም ሕይወቶም ኃሊፉ፡ ነዚ ዕለት'ዚ ንምዝካርን ጸሎተ ፍትሓት ንምብጻሕን፡ ብሓምለ 2020 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ቦታ ተጓዒዞም፡ ኣብ ዓለምና ሰፊኑ ንዘሎ ሸለልትነት ከኣ ኮኒኖም። እግዚኣብሔር ፈለማ ንኣዳም፡ ጸኒሑ ከኣ ንወዱ ቃኤል፡ “ኣበይ ኣሎኻ?”፥ “ኃውኻ ኣበይ ኣሎ?” እናበለ ከም ዚሓተቶም፥ ብተመሳሳሊ፥ ካቶሊካውያን ኣቡናት ኤርትራ፡ ኣብ መበል 23 ዓመት ናጽነት ሃገርና፡ ብግንቦት 2014፡ "ኃውኻ ኣበይ ኣሎ?" ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ናብ ኩላቶም ኣመንትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ጽሒፎም። እዞም ኣቡናት ኣብ መልእኽቶም፡ መንእሰያት ዓዶም ገዲፎም ዚተሰዱ፡ ሰላምን ፍትሕን፡ ናጽነትን ክብረትን፡ ሥራሕን ዓስብን ንምንዳይ ምዃኑ ዜስፈርዎ ጽሑፍ ናብ ብዙኅ ቋንቋታት ተተርጒሙን፡ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑን፡ ብዝተፈላለያ መራኸብቲ ብዙኃን ተቓሊሑን። እቲ ኣብ ሠለስተ ምዕራፋት ንሱ ኸኣ፡ (1 ጸዋዕታን ኃላፍነትን ምእመናን፡ 2 ከቢድ መነባብሮ ሕዝቢ፡ 3 ክርስቲያናዊ ምስክርነት) ዝተኸፍለ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፡ ካብ ውሽጢ እቲ ንኹሉ ብናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዚዕፈነሉ ሀገር፣ ብትብዓትን ብዓውታን እንኪስማዕን ኪቃላሕን ንኹሉ ዜገረመ ነበረ።
ከቢድ መነባብሮ ሕዝቢ
ብወገን ሕዝቢ፡ ዚኃልዩሎም፡ ኲነታቶም ዚርድኡሎምን፡ ምስኣቶም ብኃባር ተኻፈልቲ ሥቓዮምን ዚኾኑ ጓሶት ከም ዘለውዎም ምስማዕ ንርእሱ ተስፋ ዜስንቕ ነበረ። ነቶም ዚደቀሱ ዜበራብርን ኣዒንቶም ዚኸፍትን፡ “እንታይ ንግበር?” ቢሎም ንርእሳቶም ከም ዚሓቱን ዚሓስቡን ጌሩ፡ ንኣውያት መሳኺን ስደተይናታት ኣኅዋቶም ኪሰምዑን፡ ንምሕጋዞም ከኣ ኩሉ ዚከኣሎም ኪገብሩን ኣለዓዒሉ። ነቶም “ጽቡቕ ኣለና!” ቢሎም ንርእሶም ዜደዐዓሱ ከይተረፈ ንውሽጦም ዜናውጽ ነበረ። ካብኡ ኃሊፉ'ውን፡ ኣብ ዓውድታት ምርምርን መጽናዕትን ኣርእስቲ ኮይኑ ቀሪቡን ብዛዕባኡ ተጻሒፉን። ንግጉይ ሥርዓት ፍጹም ምልኪ ዚጻረርን፡ ንሰብኣዊ ክብርን መሰል እምነትን ዚቕበልን ዚጣበቕን፡ ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ዚተሓላለዩን ኃላፍነት ዚስምዖምን ንኪኾኑ ዚላቦን ሓሳብ ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ፡ ታሪኻዊ፡ ማኅበራውን ፖለቲካውን ኣመጻጽኣ ዜስፈረን፡ ንሓቀይና ህልው ኲነታት ሃገር ዝገልሀን ዝቐልዐን ነበረ።
ክርስቲያናዊ ምስክርነት
ኣብ ብዙኃት ከተማታት፡ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ተልእኾ ተኻይዶም። ካብዚኣቶም ገለ ንምጥቃስ፣ ባርነትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰባትን ንኼብቅዕ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ደቂ ሰባት ኪምለስ፡ ፍትሕን ሰላምን ኪነግሥ፥ ዚጽውዕ ጉዕዞ ምስክርነት ብ18 ጥቅምቲ 2015፡ ናይ ጸሎት ጉባኤታት፡ ነሕዋትና ብቐረባ ንምክትታልን ዜድልዮም ሓገዝ ንምቕራብን፡ ናብ መዕቆቢ ስደተይናታት ናይ ምብጻሕ መደባት ተኻይዱ። ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቡናት ኤርትራ (ኃውኻ ኣበይ ኣሎ?) ብመንግሥቲ ወግዓዊ ምላሽ ወይ ርእይቶ'ኳ እንተዘይተዋህቦ፡ ንኹላተን ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዚእለያ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ናይ ምዕጻውን ምውራስን ስጒምታት ወሲዱ፡ ቤተክርስቲያን ብወገንነትን ናይ ምስፍሕፋሕን ድልየታት ከም ዘለዋ ብዜስምዕ ጸለመታት፡ ምኽርታት ኮነ ኣማራጺ ሓሳብ ናይ ዘይምቕባል ዝንባለታት ኣርእዩ። ነዚ እናረኣዩ ዜጽቀጡ ብዙኃት ስለዘለው፡ እቲ መልእኽቲ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይዘራእ እምበር፡ ነዚ መልእኽቲ እዚ ግብራዊ ምላሽ ንምሃብ ብዝተወደበን ብዚተጸንዐን ኣገባብ እጃሙን ኃላፍነቱን ንምልዓል ዝተበገሰ ተቕዋም ክሳዕ ሕጂ ኣይተራእየን። እቲ ካብ ኩሉ ዜሕዝን፡ እቲ ሕይወቱ ብናጽነት ኪመርሕ ካብ ዓዱ ዝተሰደደ ሕዝቢ፡ ራእይ ከም ዘይህልዎን፡ ካብ ነኣይ ንውልቀይ ይጥዓመኒ ምባል ዘይኃልፍ፡ ገና'ውን ብፍርሕን ብሽቚረራን ይነብር ምህላው ኢዩ።
ጸዋዕታን ኃላፍነትን ምእመናን
ነዚ ጎደሎ'ዚ ንምምላእ ኢዩ እምበኣር፡ ሓረግ ብዚብል መጸውዒ ተጠርኒፉ ግብራዊ ምላሽ ንምሃብ ዚንቀሳቐስ ሕያው ትካል (ማኅበር) ንምቕዋም ዚጸዓር ዘሎ። ነዚ መልእኽቲ እዚ ምላሽ ንምሃብ ኩሉ ብሓደ እዋን ኪለዓል 'ኳ እንተዘይተጸበና፡ ብውሑዳት ግን ከኣ ውፉያት፥ ንምልክታት ዘመንና ኣለሊዮም፡ ብርድኢትን ብጥንቃቐን ብትብዓትን ዚስጒሙ፡ ዜስተምህሩን፡ ብግብራዊ ኣርኣያ መገዲ ዚእንፍቱን መራሕቲ ተጸኒዑ ዚቐርብ ኣሳታፊ ውጥን ኪቐርብ ጽቡቕ ምኾነ። ንኣብነት፡ ምሕዳስ መብጽዓ ብዚብል ኣርእስቲ ብካቶሊካውያን ኣቡናት ኦንታርዮ ካናዳ ዝተዳለወ፡ ንሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቡናት ብዕምቈት ንምርዳእ ዚሕግዝ መዛተይ ጽሑፍ ብምውካስ፥ ትምህርትን ዘተን ዚካየደሉ ዕድል ምፍጣር ጽቡቕ መበገሲ ኪኸውን ይኽእል።